ብዛዕባ ፖለቲካዊ ነውጺ ምብራቕ ሱዳን ክንፈልጦ ዝግብኣና ፖለቲካውን ጉጅለኣውን ኣቃውማ
ምብራቕ ሱዳን ኣብዚ ግዜዚ ሓያል ፖለቲካውን ማሕበራውን ነውጽታት ኣጋጢምዎ ይርከብ። እዚ ድማ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሽር ዝያዳ ዝበኣሰ ኮይኑ; ነቲ ኣብ ሱዳን መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ዓዉለማዊ(Secular) መንግስቲ ድማ ብግሁድ ይቃወምዎ ይርከቡ። ነዚ ድማ ብኢድ ኣተኣታታውነት ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ይብእስ ኣሎ። ከምዝፍለጥ ምብራቕ ሱዳን ካብ 2005 ኣትሑዙ ባርኾት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ኮይኑ እቶም ዑምዳታት; ናዚራት; […]