Category Archives: Religion and Religious Institute Sovereignity

እቲ ዘይተወድአ ኲናት: ሃይማኖታዊ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ

እዚ ብዕለት 09/12/2018 ብlive facebook ዘመሓላለፍክዎ ኣስተምህሮ “እቲ ዘይተዛዘመ ኲናት:ሃይማኖታዊ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ” the unfinished war in the horn of Africa ኣብ ትሕቲ ዝብል ኮይኑ ንጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ዝቐንዐ ሃይማኖታዊ ኲናት እቲ ገና ዘይተዛዘመ ኲናት ብምዃኑ ንሕና ኤርትራውያን ካብዚ ንልዕሊ 1400 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ብኸመይ ንገላገል ኣብ ትሕቲ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ንኤርትራውያን ዝቐንዐ ጻውዒት እዩ።

Decisions of Councils that shaped the “Horn of Africa” for the last 2000 years

The system of the world we live in today is the product of the past. And, to understand the world we live in, it is better to understand what was happening in the past. In fact, it is like a continuous process. 

The Process is like any system process that produces a product. If there is any defect in the the final product, then it needs a detailed investigation in order to understand the whole process.

I think it is not an easy task to understand the whole world processes that have given us today’s world. However, if some key strategies of investigation are followed, the success of figuring out key historical indicators might not be difficult. Once these key elements are identified then it can not be problematic to find alternative deductions to ameliorate the next product or to know any product is the sum total of all elements within the process. 

Today is the day to live in and prepare for the future. It is not possible to change today though we can use it for changing tomorrow. In short, the power vested on us today is to plan for our future. And, to plan the future, the past must be understood. 

It is within the above contemplation that I tried to revisit the past in order to understand what is today. Of course, I have seen many key historical discourses that shaped the world for the last 2000 years. These discourses have an immense effect in our today’s life, and most probably in the future. 

21thC is different. The actors that are controlling our discourses are quite different than the past. This has changed when religion is in the course of having less effect on world matters and decision taking. But this does not mean that religion  and religious institutions will not have its share. In fact, it will continue to be the check-and-balance scale to humanity and justice.

The last 2000 years, the world of God’s kingdom(The people of the Book) was full of chaos and crisis. At the center of this chaos, the Christendom (Christian World) played an important historical role.

The Christian world faced a serious challenge when  an Islamic world was created some six centuries later. Despite the challenge it faced, the Christendom was evolving from time to time to face theological challenges within itself and to face threats from other worlds. 

For this, the Christendom had several Councils (in total 21 Councils over a time span of 1900 years) formed in the different time period to shape their own future in the world stage. The decisions of the Council meetings was affecting the whole Christendom world. 

The horn of Africa is on the typical regions which were affected by these Council meetings. To make it short, I have just outlined the major Councils. With time, I will try to outline the major impacts each of these Councils had in the horn of Africa. 

a. Antiquity (50 – 451 AD)

  1. The Council of Jerusalem
  2. The First Council of Nicaea (325 AD)
  3. The Council of Constantinople I
  4. The Council of Ephesus
  5. The Council of Chalcedon

b. Early Middle Ages(553 – 870)

  1. The Council of Constantinople II
  2. The Council of Constantinople III
  3. The Council of Nicaea II
  4. The Council of Constantinople IV

c. High and Late Middle Ages (1122 – 1517)

  1. The Council of Lateran I
  2. The Council of Lateran II
  3. The Council of Lateran III
  4. The Council of Lateran IV
  5. The Council of Lyon I
  6. The Council of Lyon II
  7. The Council of Vienne
  8. The Council of Constance
  9. The Council of Florence
  10. The Council of Lateran V

d. Modernity (1545 – 1965)

  1. The Council of Trent
  2. The Council of Vatican I
  3. The Council of Vatican II

ስትራተጂካዊ መስርሕ መግዛእቲ ኤውሮጳ ኣብ መሬት ሰንሒት

መግዛእቲ ኤውሮጳ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ሓይልኻ ዘይኮነስ ብስርዓትን ኣዋጃትን እተን በቲ ግዜ ሓያላት ዝነበራ ሃገራት ከም በዓል ዓዲ-እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ፖርቱጋል፣ በልጁም ካልኦትን ዝኣመሰላ ብዕልን ውጡንን መንገዲ ዝተኸኣተ መስርሕ እዩ።

ምስ ማእከላይን ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን ኣፍሪቃን ንዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት በቲ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዝተተባብዐ ስርዓተ መጉዓዝያ ባሕሪ ዝሓጸረ መንገዲ የድሊ ስለዝነበረ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ መትረብ(Canal) ክስራሕ ተወጠነ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ዓዲ እንግሊዝ ከም ወናኒት ክትከውን ከላ ኩባንያ ፈረንሳ ድማ ነቲ ስራሕ ኣካይዳቶ። እቲ ፕሮጀክት ምስ ተጀመረ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ንምቁጽጻርን ስትራተጂካዊ ቦታ ንምሓዝን ኣብ ፈቐድኡ ወሽመጣት መሬት ንምዕዳግ ተጓየዩ።

ነዚ ንምትግባር ድማ’ዩ ሓደ ኢጣልያዊ ካቶሊካዊ ካህን ኣባል ማሕበር ላዛሪስት (ፈረንሳ) ብቀሺ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝፍለጥ ኣብ ዓሰብ ብ1837 ንእሽቶ መሬት ካብ ሱልጣን ረሓይታ ዓደገ። ቀሺ ጁሰፐ ሳፔቶ ብኣቐዲሙ ኣብ ግብጽን ሊባኖስን የገልግል ስለዝነበረ ምልከት ቋንቋ ዕረብ ስለዝነበሮ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ጸገም ኣይነበሮን።

ክሳብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብምንቅስቓስን መሬት ቦጎስ፣ መንሳዕን ሓባብን ብምብጻሕ’ውን ብዛዕባ መሬት ኤርትራ እኩል ሓበሬታ ኣኪቡ እዪ።

ኣብ 1869 መትረብ ስዊዝ ምስ ተኸፍተ ድማ ኢታልያውያን ምስ እንግሊዝ ብምትሕብባር ንወደብ ዓሰብ ንምቁጽጻርን ተወሳኺ’ውን ድሕሪ ስዕረት ግብጻውያን ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒሞም ንባጽዕ ኣብ ምሓዝ ተራ ተጻዊቱ።

ድሕሪ ዋዕላ በርሊን(1884) ድማ ኢጣልያ መሬት ኤርትራ ዝለዝተማቓርሐት ዝያዳ ግዝኣታ ንምስፍሕፋሕ ቀጸለት።

ጎኒ-ጎኒ ድማ ሃይማኖት ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ ማእከላት ስለዝነበሮ ብባዕዳዊ ክግዛእ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዝኾነ እታ መጀመርታ ክትግበር ዝግብኣ ሓደሽቲ ማእከላት ምስራሕ እዩ። ካብ 1820ታት ኣትሒዙ ክምዕብል ዝጀመረ ሓደሽቲ ማእከላት ድማ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ኤርትራ ክምዕብል ጀሚሩ።

ነተን ካብ 1820ታት ክሳብ 1900ታት ኣብ ኤርትራ ዝማዕበላ ማእከላት ኣብዛ ሓጻር ጽሒፈይ ከቕርበን ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መሬት ብሌን(ሰንሒት) ዝተኸተልዎ ስትራተጂ ብከፊሉ ክገልጽ ክፍትን እየ።

1. ምምስራት ማርያም ደዓሪት(1869)

ቅድሚ ምምጻእ ግብጻውያንን ኢጣልያውያንን ህዝቢ ብሌን ብውሑዱ ክልተ ዓበይቲ ማእከላት ነበራኦ። ንሳተን ድማ ገዳም ደብረ-ሲናን ገዳም እንዳ ስላሰን። ነዘን ክልተ ማእከላት ብምግባር ድማ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ብቀሊሉ ይረክብ ነበረ።

ኣብዚ ማእከልነት ዝነበሮ ስሩዕ ሂወት ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ካብ ልማዱን ስርዓቱን ብቐሊሉ ዝላቐቕ ኣይኮነን። እቲ ዝበለጸ መንገዲ ነቲ ዝነበረ ማእከልነት መተካእታ ዝከውን ግና ከኣ ተመሳሳሊ ባህርይ ዘለዎ ማእከልነት ክምስረት ነበሮ።

በዚ መሰረት ካብታ ኣብ ደብረ-ሲና ዝነበረት መንበረ ታቦት ቅድስቲ ማርያም ክላቐቕ – ማርያም ደዓሪት ብፈረንሳውያን ተኸልሉ። ብሰንኩ ድማ ህዝቢ ነቲ ክሳብ ባሕሪ ንምቁጽጻር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ማእከልነት ገዲፉ ናብ ዝረሓቐ ማእከላይ ቦታ ከም ማእከልነት ንምህናጽ ሓዳስ ከተማ ክትምዕብል ተገብረ። ኣብዛ ከተማ ድማ ዓበይቲ ቤተ እምነታት ክህነጹ ጀመሩ።

ገዳም ደብረ-ሲና ድማ ህቡብነታ ክዓኑ ተራእዩ።

2. ምምስራት ቤተ-ክርስትያን ከንሻ(1866)

ህዝበ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ድንግል ማርያም ልዑል ኣኽብሮት ጥራሕ ዘይኮነስ ጸጋኣ ንኽረክብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስን ወንገልን እዩ ስማ ዝጽውዕን ጸጋ ንኽረክብ ድማ ናብ ገዳማትን ቤተ-ክርስትያናትን ዝኸይድ።

ምስ’ዚ ክብሪ ዘይከይድ ኣብ ኤውሮጳ ዝማዕበለ ሃይማንኖት ከንሻ ብሽወደናውያን ብባጽዕ ዝጀመረ ናብ ከባቢ ደብረሲና(ገለብ፥ ሮብቶን ከባቢኣን) ማእከሉ ብምትካል ነቲ ህዝቢ ምስ ገዳም ደብረ ሲና ከም ዝፋታሕ ገበርዎ።

ካብቲ ጥንታዊ ገዳም ክንገላገል – መጽሓድ ቅዱስ ዝማእከሉ ስርዓተ-ኣምልኾ ክንክተል ከንሻ ኣብ ገለብ ተኺሎምልና። ብኡ መጠን ኣገዳስነት ደብረ-ታቦት ቀኒሱ።

3. ምምስራት ካቴድራል ቅዱስ ምካኤል ከረን

ነቲ ብህዝቢ ብሌን ዓቢ ክብሪ ዝነበሮ ታቦት ቅዱስ ገርጊስ – ኣብ ጎኑ ታቦት ቅዱስ ምክኤል ብምምጻእ ነቲ ጥንታዊ ታቦት ህዝቢ ብሌን ከምቲ ዝህቦ ዝነበረ ክብሪ ከይህቦ ጌሮም ናብ ሓድሽ ታቦት ከም ዝግዕዝ ጌሮሞ።

ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ውዲታት

ምምስራት ሓደሽቲ ማእከላት ቀሊል ኣይነበረን። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ኣቐዲሞም ንህዝቢ ሰንሒት ፋሕ ፋሕ ንኽብል እቲ ብልኡኽ ኤውሮጳውያን ከም ወኪል እስላማዊ ሃይማኖት ኣብ ከሰላ ማእከሉ ዝገበረ ብሃይማኖታዊት ስድራ-ቤት እንዳ ኣልሙርቓኒ(al-Murghani family) ማእከልነቶም ከሰላ ከም ዝሃንጹ ተገብረ።

ነቲ ድሕሪ ወራራት ፉንጂ(ሱዳን) ካብ 1504 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ዑመር ኩኑ (Omer Kunu)ዝተመስረተ ንግስነት ቢንዓምር ብድፍኢት ግብጻውያንን ሓደስቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣል-ሙርቓንን ብ1821 ግዳይ ከም ዝኸውን እዩ ኮይኑ።

ብስርዓት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ቢንዓምር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁፃር ኣልምርጋኒ ስለዝወድውቐ ምንጪ ሰራዊት ግብጺ ብምዃን ዕሱባት ዓሳክር ካብ ከሰላ ተበጊሶም ንመሬት ሰንሒት ብተደጋጋሚ ወረርዎን ዘመትዎን።

ምስ ተዳኸመ ድማ ከም ሓገዝቲ ተመሲሎም እቶም ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ነቲ ኣብ ክርስትና በርቲዑ ዝተረፈ ክሕግዙ ከለዉ ነቲ ኣብ እስልምና ዝቐየረ ድማ እንዳ ኣልሙርጋኒ ተቖጻጸርዎ። በዚ መሰረት ህዝቢ ብሌን ፍርቁ ናብ እስልምና ተማዕቊቡ – ፍርቁ ድማ ናብ ካቶሊክ።

ሓርነትን ልዕላውነትን ቤተ እምነት: THE CASE OF THE ERITREAN ORTHODOX CHURCH – Part II

ሓርነትን ልዕላውነትን ቤተ እምነት ሓደ ኣካል ሓርነትን ልዕላውነትን ሃገር እዩ። ቤተ-እምነት ምስ ዝድፈር ልእላውነት ኣመንቲ ይድፈር። ልእላውነት ኣመንቲ ተደፊቱ ማለት ከኣ ሓርነት ውልቀ-ሰባት ክኽበር ኣይከኣልን። በዚ ስነ-መጎት ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ኣብ ምዕቃብ ልዕላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ኣመንት ሊቃውንትን መራሕትን ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ካብዚ ናይ ጥፍኣት መንገዲንኽወጹ ዝምሕጸን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ነጥብታት ኣልዒለ ክዘራረብ ፈቲነ ኣለኹ።

ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ 22 ጥንታውያን ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራን ኣገዳስነትን ዝድህስስ ከምኡ ውን ከመይ ጌርና ልዕላውነተን ንሕልወለን ኣብ ዝብክ ዛዕባ ኣቶኪረ ሓሳባተይ ኣካፊለ ኣለኹ።

ብተወሳኺ ውን ብዛዕባ ካልኦት ቤተ-እምነታት ብፍላይ እስልምና ዘተኮረ ምስ ጥንታውነቱን ኣገዳስነቱን ኣተኣሳሲረ ተዛማዲ ስነ-መጎት ከቕርብ ፈቲነ ኣለኹ። 

ንዝያዳ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዛ video ተኸታተኡ። 

22 ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ

ኤርትራ ብታሪኽ ሃብታማት ዝኾኑ ቅርስታት ዝውንኑ ብዙሓት ጥንታውያን ገዳማት እትውንን ሃገር ኮይና ንታሪኽ ኤርትራ ንምርዳእን ኤርትራውያን ዝነበሮም ርእዮተ-ዓለምን ንምርዳእ ብቐሊሉ መሃሪ ዝኾኑ ገዳማት ዝሓዘት ሃገር እያ። ገዳማት ተደኲኖምሉ ዝርከቡ ኣከባቢታት ነጸብራቕ ዝነበረ ስልጣኔታት ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ድማ ነዘን ገዳማት ክሕልወ ከማዕብለን ኮነ ክዕቅበን ግቡእ ሓላፍነት ኣለዎ።

ህላውነትን ቀጻልነትን ናይዘን ገዳማት ድማ ቀጻልነት መንነትን ዋንነትን  ናይቲ ህዝቢ የመልክት። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝተፈላለዩ ዓውለማዊ ተርእዮታት እናተኸሰቱ ስለዝኸዱ ምስ ምህሳስ ጥንታውያን ገዳማት ንኤርትራ ብሓድሽ ሕብረተ-ሰብ ንምትካእ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል። 

ብፍላይ ምስ ዋንነት መሬትን ኣብ ግዜ ነውጺ ዝፍጠሩ ፍሉይ ተርእዮታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ባይታ ዝጸንሕ ፍሉይ ቅርሲ ዝቐለለ መርትዖ  ስለዝኸውን ኩሉ ኤርትራዊ ብተገዳስነት ክከናኸኖምን ክዕቅቦምን ጽቡቕ እዩ።

ብዝረኸብክዎ  ዝርዝር ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 22 ገዳማት ኣብ ፈቐድኡ ኣውራጃታት ይርከቡ። እዚ ድማ ታሪኽ ክርስትና ኤርትራ ብቐሊሉ ክንመሃር ይሕግዘና። ንዝያዳ ትንታኔ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ክዝርዝሮም ክፍትን  እየ። 

 1。ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም-ሃገረ ስብከት – ኣከለጉዛይ

2。ገዳም ደብረ ሲና ፡ ሓማሴን

3。ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ቴድረር- ኣከለጉዛይ

4。ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ- ኣከለጉዛይ

5。ገዳም ደብረ ድምኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ- ሰራየ

6。ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን – ሰራየ

7。ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓይላ ጉንደት- ሰራየ

8。ገዳም ደብረ ቊስቋም ቅድስት ድንግል ማርያም ድባርዋ-  ሰራየ

9。ገዳም ደብረ ቢዘን ኣቡነ ፍሊጶስ- ሓማሴን

10。ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ እንዳ ኣቦና – ሰራየ

11。ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ብሩክ ኣምላክ መራጉዝ- ሰራየ

12。ገዳም ደብረ ድኁኋን ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን – ሰራየ 

13。 ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ትምዛእ – ሰራየ

14。ገዳም ደብረ ጽዮን ኣቡነ ዮናስ ዓዲ ውስኽ – ሰራየ

15。 ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁእ-ኣምላክ – ኣከለጉዛይ

16。ገዳም ደብረ ኮዳዱ ኣቡነ ብፁእ-ኣምላክ 

17。ገዳም ደብረ ወገሪቆ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ሊባን – ሓማሴን

18。ገዳም ደብረ ሓዋርያት ኣቡነ ሴት ዓዲ ቂታ 

19。ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴ፡ ዞባ ዓንሰባ – ሰንሒት

20。ገዳም ቅድስት ዳምያና

21。ገዳም ደብረ ማርያም ሃም  – ኣከለጉዛይ

22。 ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ  ክሳሄ – ሰራየ 

References

1. ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ

2. ዝርዝር ገዳማት፡ ስርዓታት እንዳ’ባ፡ ያታዊ ኣስማትን ኣግራብን

ሓርነትን ልዕላውነትን ቤተ እምነት: The case of the Eritrean Orthodox Church – Part I

ሓርነትን ልዕላውነትን ቤተ እምነት ሓደ ኣካል ሓርነትን ልዕላውነትን ሃገር እዩ። ቤተ-እምነት ምስ ዝድፈር ልእላውነት ኣመንቲ ይድፈር። ልእላውነት ኣመንቲ ተደፊቱ ማለት ከኣ ሓርነት ውልቀ-ሰባት ክኽበር ኣይከኣልን። በዚ ስነ-መጎት ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ኣብ ምዕቃብ ልዕላውነትን ናጽነትን  ኤርትራ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ኣመንት ሊቃውንትን መራሕትን ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ካብዚ ናይ ጥፍኣት መንገዲንኽወጹ ዝምሕጸን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ነጥብታት ኣልዒለ ክዘራረብ ፈቲነ ኣለኹ።

ንዝያዳ ነዛ ብዕለት 03/12/2018 ዝዘርጋሕዋ መደብ ክትከታተሉ ይዕድም።