Dr. Tedros Adhanom: In the case of Tigray Crisis is he an Opportunity or a Challenge?

ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝኾነ ትግራዋይ ቴድሮስ ኣድሓኖም ከም ሓደ መራሒ ንህዝቢ ትግራይ ብከመይ ይጸልዎ፧ ዘለዎ ዕድላት እንታይ እዮም፧ ብድሆታቱ ከ እንታይ ይመስሉ፧ ንኣውያት ህዝቢ ትግራይ WHO ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ንኸይህቦ ዶር ቴድሮስ ብሰንኪ መንነቱ ዕብቅፋት ድዩ ወይስ ዕድላት፧ ነዝን ካልኦት ተመሳሳለቲ ሕቶታትን ንምድህሳስ ኣብዛ ቪድዮ ቀሪበልኩም ኣለኹ እሞ ክትከታተሉ ብትሕትና ይዕድመኩም።

Subscribe like comment and share ምግባር ድማ ኣይትሕመቑ።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ ነውጺ ምብራቕ ሱዳን ክንፈልጦ ዝግብኣና ፖለቲካውን ጉጅለኣውን ኣቃውማ

ምብራቕ ሱዳን ኣብዚ ግዜዚ ሓያል ፖለቲካውን ማሕበራውን ነውጽታት ኣጋጢምዎ ይርከብ። እዚ ድማ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሽር ዝያዳ ዝበኣሰ ኮይኑ; ነቲ ኣብ ሱዳን መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ዓዉለማዊ(Secular) መንግስቲ ድማ ብግሁድ ይቃወምዎ ይርከቡ። ነዚ ድማ ብኢድ ኣተኣታታውነት ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ይብእስ ኣሎ። ከምዝፍለጥ ምብራቕ ሱዳን ካብ 2005 ኣትሑዙ ባርኾት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ኮይኑ እቶም ዑምዳታት; ናዚራት; ኣሽራፋን ኸሊፋታትን ጥቡቕ ዝምድና ምስ ኢሰያስ ዘለዎም እዮም።

እዚ ምትእስሳራት ስርዓት ህግደፍን መራሕቲ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ግና መሰረቱ ካበይ ዝተበገሰ እዩ ንምፍላጥ; ነቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ዞባ ከሰላ ዓቢ መንፈሳውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎም ስድራ-ቤት እንዳ ኣል-ሙርቓኒ(Al-Murghani family) ንሶም ዝመርሕዎ ናይ ሱፊ ማሕበር(Sufi Order) ኣል-ኻትምያ(al-Khatmiyyah Order) ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ።

ንዝያዳ መብርሂ ዝኣክል ንኣመጻጽኣ ማሕበር ኣል-ሙርቓኒ ኣብዚ ስእሊ ተመልከት። ዕላማ ናይዛ ቪድዮ ድማ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ምልዕዓላት ምብራቕ ሱዳን ብግቡይ ተረዲእና ነቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ንምክትታል ይሕዘና ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ እዩ።