ነቶም ካብ ሕሉፍ ክመሃሩ ንዘይደልዩ; ታሪኽ ባዕሉ ይድገም’ዩ። For those who do not want to learn from the past, History repeats itself(unkonwn)

ግብጺ ከምዚ ሎሚ ቅድሚ 200 ዓመታት፣ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ በቲ ግዚኡ ዓርሞሾሽ ሰራዊት ሃኒጻ ንመሬት ሱዳን ድሕሪ ምውሓጥ; ንመስመር ቀይሕ-ባሕሪ (ከሰላ – ባጽዕ) ንምቁጽጻር ንግዝኣት ምድረ ባሕሪ ሓበሻ ኣጥቂዖም።

ካብ ንግስነት ምድረ-ባሕሪ ኣብ ምድረ ባርካ ሓያል ተቓውሞ እኮ እንተገጠሞም; ነቲ ብዑስማናውያን(ቱርኪ) ብርሑቕ ክፍለ ግዝኣት Sennar(Funji) ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝነበረ ግዝኣት ቀቢላ ቢን-ዓምር(1504 – 1821) ድሕሪ ምስዓር; ግብጻውያን ማእከልነቶም ብስድራ-ቤት al-Murghani ዝምራሕ ኣብ ከሰላ መስረቱ።

ካብ 1821 ክሳብ 1850ታት ዘሎ እዋን ክሳብ ምድረ-በጎስ(ናይ ሎሚ ዓንሰባ/ሰንሒት) ድሕሪ ምስፍሕፋሕ ድማ; ብሓገዝ ቢን-ዓምር ንህዝቢ ቦጎስን ሓባብን ድሕሪ ምውራር; ካብ 1860ታት ኣትሒዞም ንከበሳ ምድረ-ባሕሪ ኣብ ጽዑቕ ኲናት ኣእተውዎ።

በዚ ግዜዚ #ሱባጋዲስ – ሹም ዓጋመ ንመላእ ምድረ ባሕሪ ኣግኣዝቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ የእትይሉ ዝነበረ እዋንዩ።

ብፍላይ ብሓገዝ ፈረንሳውያን ማእከልነቶም ኣብ ከረን ድሕሪ ምምስራቶም; ከበሳ ምድረ-ባሕሪ ብኲናትን ዝምታን ተናወጸ። ህዝቢ ከበሳ ድማ ብራእሲ ኣሉላ ዝምራሕ ሓያል ሰራዊት ብምውዳብ; ኣብ ኣስመራ ዝማእከሉ ሓያል ምክልኻል ኣካየደ። ንኣስታት 20 ዓመታት ዝኣክል (1872 -1885) ድማ ህዝብና ሰላም ስኢኑ ኣብ ኲናትን መኸተን መከራን ኣተወ።

በዚ እዋን ድሕሪ ሃጸይ ቴድሮስ(ብ1968 ሞይቱ) ዝነገሰ; ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ ንጉሰ-ነግስት ኣብ ዝኾነሉ እዋን; ህዝብና ኣዝዩ ሓይሉን ንግብጻውያን ብተደጋጋሚ ገጢሙ ሰዓሮምን። ምስፍሕፋሕ ግብጺ ድማ ብ1885 ኣብቅዐ።

ሕጂ’ኸ እዚ ታሪኽ ድዩ ክድገም?

ምስዚ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣትየንኦ ዘለዋ ኲናት; #ግብጺ ብወግዒ ተሳታፊት ኮይና ኣላ። ድሮ’ውን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምኽሳስ ትርከብ።

ተጋሩ’ውን ነቲ ወሪድዎም ዘሎ ወራር ኣብ ምፉዃስ; ምምጻእ ግብጻውያን ንሓይሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለዝስሕብ; ተዛማዲ ዕረፍቲ ክረኽቡ ይኾኑ።

ኮይኑ ግና ግብጺ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዘለዋ ጽልዋ ከተሐይል; ምስ ኤርትራ ምትኹቷኽ ኣይክተርፋንዩ። ነዚ ንምስላጥ ድማ ከምቲ ናይ 1821፣ ኣብ ከሰላ ምስ ቢን-ዓምር መዓስከር መስሪታ; ነቲ ኣብ መታሕት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ጽልዋ ከተሐድርን ምስ ህዝቢ ከበሳ  እስላማውያን(Islamists) ብምዕጣቕ; ኣብ ቀጻሊ ጎንጺ ከተእትዎ ትኽእልያ።

እዚ ሎሚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ፣ ብወገን መታሕት ክመጾ ዝኽእል ተቓውሞ ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣስመራ ኣብ ጽልዋ ግብጻውያን ምውዳቕ ኣይክተርፋንዩ።

ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ግብጻውያን እንተወዲቓ ድማ; እቶን ካብ ኤርትራ ዝብገሱ ኣስላማውያን ሓይልታት(Islamist Forces) ንትግራይ ከጥቅዕዋ እዮም። ድሮ’ውን ኣብ ኣክዱም መስግጊድ ይሰራሕ(A mosque should be build in Axum) ዝብል ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓሳት ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ንዕዘብ ኣለና።

ስለዚ ተጋሩ; ሎሚ’ኸ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ብመሪሒነት ሃጸይ የውሃንስ ዝተወስደ ስጉምቲ ንምክልኻል ግዝኣተ ምድረ-ኣግኣዚ ንምክልኻል ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝበ-ግእዝ ሓቢሮም ክሰርሑ ድዮም?

ሊሂቃን ተጋሩ ኣብ ኣስመራ መጺኦም ንምክልኻል ክብረት ህዝበ-ግእዝ ምስ ልሂቃን ናይ ሎሚ ኤርትራውያን ክሰርሑ ይኽእሉ ድዮም? ንቀይሕ-ባሕሪ መን እዩ ክቆጻጸሮ ኣብ ዝብል ስትራተጂካዊ ውድድር; ተጋሩ ተገዳስነት የሕድሩ’ዶ ይኾኑ ወይስ ከምቲ ናይ ቀደም ካብ ቀይሕ-ባሕሪ ርሒቖም ኣብ እምባታት ከበሳታት ምድረ-ኣግኣዝያን ከም ባሕታውያን ብጾምን ጾሎትን ሂወቶም ክመርሑ?

ተጋሩ ኣፍደገ ቀይሕ-ባሕሪ ንኽረኽቡ፣ እዚ ዘለናዮ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ’ም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ወራር ግብጻውያን ዘቕረብክዎ ሕጽር ዝበለ ኣማቲ ሓተታይ ኣብዚ ክዛዝም።

ብርሃነ-ጽዮን ኣግኣዚ(ተስፋብርሃን ወልደጋብር)
ዛውለታይ ወድ ኣብሰላብ
ብሔረ ኣግኣዝያን
ሃገረ ምድረ-ባሕሪ

01.01.2021
ሃገረ ፈረንሳ