1821 – 1885: ምስፍሕፋሕ ግብጺ ናብ መሬት ኤርትራ

ካብ 1821 ክሳብ 1885ግብጺ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ የእትያ ኔራ። ድሕሪ ውድቀት ናይ Sennar Sultanate, እቲ ብከፊሉ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ንግስነት ስናር ዝነበረ ህዝቢ ቀቢላ ቢን-ዓምር ኣብ ትሕቲ እንዳ al-Mirghanni ወዲቑን እታ ቀንዲ ርእሲ ከተማኡ ከሰላ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምምሕዳር ግብጺ ወደቐት።

ድሕሪኡ ዝሰዓበ ወራራት ግብጺ ሓባብን መሬት ማርያን ባብ 1830ታት ክወድቕ እንከሎ; መሬት ቦጎስን ሰንሒትን ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ግብጺ ኣብ 1850ታት ወደቐ። ግብጺ ምስፍሕፋሕ ብምቕጻል ኣብ 1870ታት ክሳብ ከተማ ባጽዕ ብምስፍሕፋሕ ንምሉእ ሰምሃርን ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣከለጉዛይን ኣብ ትሕቶ ቁጽጽራ ኣእተወት። ኣብ ከበሳ ኤርትራ ቀጻሊ ወራራት እኮ እንተካየደት; ምስ ምምጻእ ሰራዊት ሃጸይ የውሃንስ ምስፍሕፋሕ ግብጻውያን ናብ መሬት ሓማሴንን ሰራየን ክዕገት ክኢሉ እዩ። ኣብ 1880ታት ድማ ግብጺ ብማህዲ ዘጋጠማ ፍጹም ስዕረት ካብ መሬት ኤርትራ ጠቕሊላ ክትወጽእ ተገዲዳ።

ቀንዲ ዕላማ ግብጺ ንምቁጽጻር መሬት ኤርትራ ድማ ካብ ሱዳን ብወደብ ባጽዕ ንግዳዊ ንጠፈታት ከተካይድ እዩ። ነዚ፡ክዉን፡ንምግባር ድማ መንገዲ ባቡር ካብ ከሰላ ክሳብ ባጽእ ዝዝርጋሕ መስመር መንገዲ ባቡር ምዝርጋሕ ውጥን ወጺኡ ኣብ ምትግባር ክበጋገስ ከሎ ብኢትዮጵያ ዘጋጠማ ሓያል ተቓውሞን ድሒሩ ድማ ኣብ ሱዳን ዘጋጠሞም ሓያል ተቓውሞ ማህዳውያን ንኤርትራ ገዲፎማ ክወጹ ተገዲዶም።

ጽልዋ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ገና ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ግብጺ ምስ #ህግደፍ ብምትሕብባር ልክዕ ከምቲ ናይ 19 ክ/ዘ ኣብ መሬት ኤርትራ ዕቅቢ ጽልዋ ትገብር ኣላ። ክሳብ ከሰላ መሓውራ ብምስዳድ ድማ ኣብ መሬት ባርካ ህላዌኣ ኣረጋጊጻ ኣላ ክበሃል ይከኣል።

መበግሲ ማእክለነት ግንጻውያን ከሰላ ኮይኑ በቲ ኣብቲ ቦታ ዝተደኮነ ማእከነት Khatmiyyah Sufi Order ኮይኑ ብደቂ al-Mirghanni ዝምራሕ ስርዓት እዩ። እዚ ማእከል ክሳብ ባጽዕ ጨንፈራቱ ድሕሪ ምዝርጋሕ ነቲ ኣብ ባጽዕ ሰረት ዝነበሮ ማእከልነት Hanafi Mosque ብምትካእ ቀንዲ መሰረት ሃይማኖታዊ ስብከታት ከካይድ ጀሚሩ።

ጽልዋታት መግዛእቲ ግብጺ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካ ኤርትራ

ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ’ውን እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ናይ 19 ክ/ዘ ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ምቅድዳብን ምሕዝነት ኣብ ምፍጣርን ንርከብ። ንኣብነት ማሕበር ደቂ መታሕት(Eritrean Lowland League) ዝያዳ በቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ግብጺ ዝነበሩ ደቂ ቦጎስ(ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ዝርከብ ብተዛረብቲ ቋንቋ ብሌን ዝተዓብለለ ሰሜናዊ ክፋል መሬት ሓልሓልን ቤጁክን) ፣ ሓባብ፣ ሳሕል፣ ሰምሃርን ባርካን ዝቖመ እዩ።

ኣብዚ 2018 ዝተመስረተ መጽናዕታዊ ጉጅለ ስኒት’ውን እንተኾነ ነቶም ኣብ 19ክ/ዘ ብግብጺ ዝድገፉ ዝነበሩ ወገናት ኣከለጉዛይ ዘረቓለለ ምትእኽኻብ እዩ።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.