1821 – 1885: ምስፍሕፋሕ ግብጺ ናብ መሬት ኤርትራ

ካብ 1821 ክሳብ 1885ግብጺ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ የእትያ ኔራ። ድሕሪ ውድቀት ናይ Sennar Sultanate, እቲ ብከፊሉ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ንግስነት ስናር ዝነበረ ህዝቢ ቀቢላ ቢን-ዓምር ኣብ ትሕቲ እንዳ al-Mirghanni ወዲቑን እታ ቀንዲ ርእሲ ከተማኡ ከሰላ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምምሕዳር ግብጺ ወደቐት። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ወራራት ግብጺ ሓባብን መሬት ማርያን ባብ 1830ታት ክወድቕ […]