እዚ ብትንቢት ተነጊሩኑ እናበለ ዘዕገርግር ዘሎ ኣባል Pentecostal Church ዝኾነ Dr. Abiy AHMED ንመራሕቲ ሃይማኖት ከንብዕ ድዩ መጺኡ?
ጸላኢ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ከይከውን ደኣ?
ልክዕ ከም ዲክታቶር ኢሰያስ ቆርበት በጊዕ ለቢሱ ዝመጸ ቀታሊ ወኻርያ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።
ኢትዮጵያውያን ኣስተውዕሉ ብፍላይ ድማ ተጋሩ።
ጥበብ ዝሓትት ግዜ እዩ።
ኣባል Pentecostal Church ዝኾነ ንOrthodox Church ከዕኑ ዝተላእከ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።
ከም ዝፍለጥ
ፓትርያርክ( Patriarch) ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ይርከቡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግና Dr. Abiy AHMED ዕጅብ እንከይበሎ ምስ ኣረሜናዊ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ብዙሕ ዳንኬራን ርክባትን የካይድ ኣሎ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ህዝቢ ትግራይ ድና ብፍላይ ንዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ከስተውዕለሉ ይግባእ። እንተዘይኮነ እታ ጥንታዊት ኣፍደገ ክርስትና ዝኾነት ኣክሱም ልእላውነታ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ተኽእሎ ዘሎ ይመስል።