ቀጥታዊ ሓድነታዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ

መልእኽተይ ከንውሖ ኣይደልን። ግና ከኣ ኣብቲ ዝዕዘቦ ዘለኹ ግጉይ መንገድታት ዘተኮረ ሓድነታዊ ጻውዒት ክገብር መሪጸ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ምምቕቓል ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምንቅስቃሳት ዘተኮረ ኮይኑ ካብዚ ዘካይድዊ ጉጅለኣዊ ምንቅስቃስ ወጺኦም ኣብ ሓባራውን ሓድነታውን ምንቅስቃስ ንኽምለሱን ኣብቲ ዝገብርዎ ምንቅስቃሳት ድማ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፋላላይ ዝጥምት ኣመለኻኽታን መትከላትን ንኸማዕብሉን ጻውዒት ንምቕራብ ኣዩ።

ኣብ’ዛ ሓጻር ጽሑፍተይ ኣብተን ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዘለወን ሲቪካውያን ማሕበራት ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ጽሑፋተን ኮነ ምንቅስቓሳተን ርኡይ ዝኾነ ምምቕቓል ህዝቢ ዘርእያ እየ ከተኩር።

እቲ ብስም “ማሕበር ኣሕዋት ኣግዝያን – Aga’azian Brotherhood) ኤርትራዊ ስለዘይኮነ ኣብዚ ከእትዎ ኣይክኣልን። ማሕበር ኣግኣዝያን ንኹሉ ኤርትራ ብማዕረ ሓደገኛ ስለዝኾነ ድሮ ዓገብ ተባሂሉ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ምንቅስቃስ ውን ብወገን ኤርትራ ፈርከሽከሽ ኢሉ እዩ። ኣብ ትግራይ ግና ጽቡቕ ሰረት ዝገብር ዘሎ ይመስል። እንተኾነ ካብ ትግራይ ዝመጻ ናይ ሓባር ጸላኢ ስለዝኾነ ንምምካቱ ቀሊል እዩ።

እቲ ዝኸፍአን ሓደገኛን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ብሃይማኖት ኮነ ካልእ ዓሌታዊ ኮነ ዓዳዊ ክመቓቐል ከሎ እዩ። ስለዝኾነ እየ ኣብተን ቀንዲ ርኡያት ምንቅስቃሳት በዚ ኣጋጣሚ ከተኩር መሪጸ።

1. ማሕበር ኣሕዋት ጀበርቲ( Jebertiyyah Brothrrhood)

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብመሪሕነት ማሕበር ኣሕዋት ጀበርቲ(Jebertiyyah Brotherhood) ዝካየድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ምምቕቓል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣንፈት ከይኣምርሐ ነዚ ምምቕቓል ዓገብ ክንብሎን ንማሕበር ኣሕዋት ጀበርቲ ካብዚ ግጉይ መንገዲ ወዲኦም ናብቲ ቅኑዕን ሓድነታውን መንገዲ ክምለሱን በዚ ኣጋጣሚ ይጽውዎ።

ሃይማኖታዊ ምምቕቓል ኤርትራውያን ኣብ 40ታት ዝፈሸለ ኮይኑ – ሕጂ ዳግማይ ብዝልዓለ ይስርሓሉ ኣሎ።

ነቲ ተዛራባይ ትግርኛ (ክርስትያን ማለት እዩ) ዝብሃል ወዲ ከበሳ ድማ ብብዙሕ መንገዲ ከም ጸላኢ ተቖጺሩ ይስርሓሉ ኣሎ።

እዚ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ምምቕቓል (Sectarianism) ብሓብር ክንቃለሶ ድማ ግዚኡ እዩ።

2. ማሕበር ደቂ መታሕት(Eritrean Lowlanders league)

ኣብ’ዚ ምምቕቓል’ውን ብኸፊሉ ማሕበር ደቂ መታሕት(Eritrean Lowlanders League) ይንቀሳቐስ እዩ። ናይ ማሕበር ደቂ መታሕት ፍሉይ ዝገብሮ ዝያዳ ናብቶም ምሁራት ደቂ ከበሳ( Eritrean Highland Elites) ዘተኮረ እዩ። እዚ’ውን ንባዕሉ ሓደገኛ ሳዕቤን እለዎ። ኣንጻር ምሁርን ደቂ-ከበሳ ምቕናዕ ማለት ነቲ ህዝቢ ርእሱ ከም ዘየቕንዕን ንዝመጾ መንግስቲ ኮነ ዓመጽ እሺ ኢሉ ዝቕበልን ግዙእ ንምግባሩ ዝቐለለ ስለዝኸውንን እዩ።

በቲ ካልእ መዳይ’ውን ኣብ መታሕት’ውን እንተኾነ ማሕበር ደቂ መታሕት ኣብቲ ብSocial Contract ዝፍለጥ ሰነዱ ነቶም ክርስትያን (Christians) ከም ውሑዳን (Minorities) እዩ ኣቐሚጥዎም ዝርከብ። እዚ ድማ ንሓደ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዓዱን መሬቱን ከም Minority ምቕጻር ተገዛኢ ምግባሩ እዩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ማሕበር ደቂ መታሕቲ ወግዓዊ ቋንቋ “ዓረብ – Arabic” ብምባል ብወግዒ ኣቀሚጥዎ ይርከብ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ኣደ ቋንቋ ዝጎስን ዘይነበረ ባዕዳዊ ቋንቋ ከም ወግዓዊ ምውሳዱን እዩ። እዚ’ውን ብመሰረቱ ኣንጻር መሰረታዊ መሰል ወዲ-ሰብ( Basic human Rights) እዩ።

ስለዚ ካብዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣብ ሃይማኖት ዝተሰረተ መቓቐልቲ ምንቅስቃሳት ዓገብ ክንብሎምን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሐ ዘድሊ ምእራም ክግበረሉን ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።

እዞም ኣብ ከምዚ ድሑር ግን ከኣ ሓደገኛ ምንቅስቃስ ተዋፊሮም ዘለዉ ውሁዳት ድማ ብሓባር ኩላትና ኤርትራውያን ዓገብ ክንብሎም በዚ ኣጋጣሚ ይጽዎ።

ብሃይማኖት ምምቕቓል ንህዝቢ ኤርትራ ረብሓ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነ ተመቓቒልና ንኽንጸንት መቀላጠፍያ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ሓድነትናን ውህደትናን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ እሞ ሃየ ኩላትና ኣብ ሓደ ንመጸሉ ምጥርናፋት ነዘውተር።

ሃገርና ኣብ ቀራና መንገዲ ስለዘላ – ሓድነትና ልዕሊ ማንም ግዜ ወሳኒ እዩ። ስለዝኮነ ሽግራትና ብንጹር ኣቐሚትና ነቶም ዓገብ ዝብሃሉ ዓገብ እናበልና – ነቶም ክእረሙ ኣለዎም እንብሎም ድማ እናኣረምና ብሓባር ቃልስና ነካይድ።

Advertisements

1 Comment

  1. ብጣዕሚ ጽቡቅን ገላጽን ሓሳብ ዓይነ ልቦናና ይኽፈተልና ፡ ኣጆኻ ቀጽሎ ኣብ ጎድንኻ ኣለና ነቅ ከይትብል !

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.