Aberra Royal Family: ፖለቲካዊ ምንቅሳቓስን

ስድራ-ቤት Aberra Hagos ተራ ስድራ-ቤት ኣይኮነትን። ካብ መወዳኣእታ 19 ክ/ዘ ኣትሒዛ እዛ ስድራ-ቤታ ስድራ-ቤት ኣብ ሂወት ኤርትራውያን ብዙሕ ጽልዋ ዘለዋ እያ። ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ ዓቢ ግደ ዘበርከተት እያ። ከም ሓደ ተራ ስድራ-ቤት ኤርትራ ኣይኮነትን። ኣብ ክብረቶም ኣይመጻእኩን። እኳ ደኣ ኣድናቖት ኣለኒ።

ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዕጫ ስደትን መከራን ዘጋጠማ እያ። ደቃ ኣብ ቃልሲ ዘሰለፈትን መስዋእቲ ዝከፈለትን እያ። ከም ኩሎም ኤርትራውያን ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ ኤርትራ ወጺኣ። ንኤርትራውያን ዘጋጠሞ ውን ኣጋጢምዋ። ኣብዚ ግዜዚ ልዕሊ 450(2011) ዝኣኽሉ ደቂ ስድራ-ቤት ኣበራ ኣለዉ። ካብዞም 450 ኩሎም ኣብ ፖለቲካ ይነጥፉ ማለት ኣይኮነን።

ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝዋስኡ ሓያላት ደቂ ዘፍረየት እያ። ኣብ’ዚ ደንበ -ተቓውሞ’ውን ብዙሕ ዘበርክቱ ኣለዉ። ብሓፈሻ ክርእዮ ከለኹ ድማ እቲ ብኣብሓግኦም ዝጀመረ ምንቅስቓስ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ዝሓዋወሰ ኮይኑ ረኺበዮ።

ኣበራ ሓጎስ – ወኪል ናይ ወኪላት -Khuluf – al-Khalifa(Main Representative) ናይ Khatmiyyah brotherhood ኣብ ከበሳ ኤርትራ እዩ ኔሩ።

እዚ brotherhood እዚ ብዓረባዊ(ኣቦ) ሱዳናዊት(ኣደ) መበቆል ዘለዎ ሃይማኖታዊ ሰባኺ Mohammud Uthman al-Mirghani ዝተመስረተ ስርዓተ ኣምልኾ Sufi ኮይኑ ካብ 1830ታት ኣትሒዙ መሳርሒ መግዛእቲ ግብጻውያንን ኢጣልያውያንን ዝኾነ እዩ።

ኣብራ ሓጎስ ኣባል ናይዚ brotherhood ብምዃን ድማ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ እዩ።

ኣበራ ሓጎስ ኣብ ግዜ ጣልያን ኣብ ከረን ትምህርቲ technical ትምህርቲ ተማሂሩ ምስ ጣልያን ኣብ ምትሕብባር ብዙሕ ተዋሲኡን ብቑጠባ’ውን ደልዲሉ። ኣብ ግዜ ጣልያን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ስለዝነበሮ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ምስቶም ኣብ ፖለቲካ ክዋሳእ ዝሓሸ ዕድል ኔርዎ።

ከም’ዚ ናይ Aberra Hagos ብዙሓት ኤርትራውያን ኔሮም እዮም። ንኣብነት ብእንዳ-በክሪ ዝፍለጡ ስድራ-ቤታዊ ምትእስሳር ምስ እንዳ al-Mirghani ዘለዎም ኣብ ከረን ዝመደበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ኣለዉ። እዛ ስድራ-ቤት እዚኣን ግና ንጥፈታታ ዝያዳ ኣብ ሃይማኖት ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ፍሉጣት ስለዝነበሩ ድማ ንሶም ውን ኣብ ፖለቲካ ከምቲ ዝድለ ሓይሎም ክንቀሳቐሱ ኣይክኣሉን። ከም ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት ግና ብዙሕ ምኽርታት ይልግሱን ብውሽጢ ውሽጢ ድማ ይተሓባበሩን ኔሮም። ንኣብነት President ናይ Eritrean Muslim League ካብ ስድራ-ቤት al-Murghani እዩ ኔሩ። ዝያዳ ግና Symbolic እዩ ኔሩ።

Aberra Hagos ከም ተራ ኣባል ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝሓየለ መልክዑ ይንቀሳቐስ ኔሩ። ኣባል ናይቲ Khatmiyyah bortherhood ስለዝነበረ ድማ ዝሓየለ ምንቅስቓስ ኔርዎ። እዚ ናይ Khatmiyyah brotherhood ምንቅስቓስ ገና ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ካብ Khatmiyyah ናብ Jebertiyyah ከሰጋግርዎ ድማ ይሰርሑ ኣለዉ። እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ Confusion ፈጢሩ ይርከብ። ስለምንታይ ሃይማኖታዊ ማሕበር ናብ መንነታዊ መግለጺ ክቕየር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ ዝኸውን። ብመሰረቱ ሃይማኖታዊ ስለዝኾነ ድማ ሕልኽላኽ ይፈጥር።

ኣብ’ዚ Jebertiyyah brotherhood ድማ ደቂ Aberra Hagos ክሳብ ሕጂ ይዋስኡ ስለዘለዉ ህዝቢ ክዘራረበሉ ግቡእ እዩ። ውልቃዊ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሃገርን ፖለቲካን ጉዳይ እዩ።

ብተወሳኺ

ኣብዛ ስእሊ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራቤት Aberra Hagos ብJelal Yassin ABERRA ዝፍለጥ ኣሎ። እዚ ውልቀ-ሰብ እዚ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣዝዩ ንጡፍ ኮይኑ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን ኣብ 1983 ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጺኡ ድማ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ዘሎ እዩ። ንፖለቲካ ዕላማ ዘለዎ ድማ ገንዘባዊ ወፍርታት የካይድ። ንኣብነት ተስፋይ ተምነዎ ተጠቃሚ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ።

1 Comment

  1. ቡዙሕ ግዜ ደዊለልካ ሓቲየካ ክትምልሰለይ ኣይደልካን

    ተሰፋይ ተመኖ ተጠቃሚ ገንዘብ ሙካኑ አንታይ ጭብጢ ኣለካ

    ጉቦ በሊዑ ክትብል ከለካ ቀሊል ገበን ኣይኮነን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.