ስትራተጂካዊ መስርሕ መግዛእቲ ኤውሮጳ ኣብ መሬት ሰንሒት

መግዛእቲ ኤውሮጳ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ሓይልኻ ዘይኮነስ ብስርዓትን ኣዋጃትን እተን በቲ ግዜ ሓያላት ዝነበራ ሃገራት ከም በዓል ዓዲ-እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ፖርቱጋል፣ በልጁም ካልኦትን ዝኣመሰላ ብዕልን ውጡንን መንገዲ ዝተኸኣተ መስርሕ እዩ።

ምስ ማእከላይን ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን ኣፍሪቃን ንዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት በቲ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዝተተባብዐ ስርዓተ መጉዓዝያ ባሕሪ ዝሓጸረ መንገዲ የድሊ ስለዝነበረ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ መትረብ(Canal) ክስራሕ ተወጠነ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ዓዲ እንግሊዝ ከም ወናኒት ክትከውን ከላ ኩባንያ ፈረንሳ ድማ ነቲ ስራሕ ኣካይዳቶ። እቲ ፕሮጀክት ምስ ተጀመረ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ንምቁጽጻርን ስትራተጂካዊ ቦታ ንምሓዝን ኣብ ፈቐድኡ ወሽመጣት መሬት ንምዕዳግ ተጓየዩ።

ነዚ ንምትግባር ድማ’ዩ ሓደ ኢጣልያዊ ካቶሊካዊ ካህን ኣባል ማሕበር ላዛሪስት (ፈረንሳ) ብቀሺ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝፍለጥ ኣብ ዓሰብ ብ1837 ንእሽቶ መሬት ካብ ሱልጣን ረሓይታ ዓደገ። ቀሺ ጁሰፐ ሳፔቶ ብኣቐዲሙ ኣብ ግብጽን ሊባኖስን የገልግል ስለዝነበረ ምልከት ቋንቋ ዕረብ ስለዝነበሮ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ጸገም ኣይነበሮን።

ክሳብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብምንቅስቓስን መሬት ቦጎስ፣ መንሳዕን ሓባብን ብምብጻሕ’ውን ብዛዕባ መሬት ኤርትራ እኩል ሓበሬታ ኣኪቡ እዪ።

ኣብ 1869 መትረብ ስዊዝ ምስ ተኸፍተ ድማ ኢታልያውያን ምስ እንግሊዝ ብምትሕብባር ንወደብ ዓሰብ ንምቁጽጻርን ተወሳኺ’ውን ድሕሪ ስዕረት ግብጻውያን ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒሞም ንባጽዕ ኣብ ምሓዝ ተራ ተጻዊቱ።

ድሕሪ ዋዕላ በርሊን(1884) ድማ ኢጣልያ መሬት ኤርትራ ዝለዝተማቓርሐት ዝያዳ ግዝኣታ ንምስፍሕፋሕ ቀጸለት።

ጎኒ-ጎኒ ድማ ሃይማኖት ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ ማእከላት ስለዝነበሮ ብባዕዳዊ ክግዛእ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዝኾነ እታ መጀመርታ ክትግበር ዝግብኣ ሓደሽቲ ማእከላት ምስራሕ እዩ። ካብ 1820ታት ኣትሒዙ ክምዕብል ዝጀመረ ሓደሽቲ ማእከላት ድማ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ኤርትራ ክምዕብል ጀሚሩ።

ነተን ካብ 1820ታት ክሳብ 1900ታት ኣብ ኤርትራ ዝማዕበላ ማእከላት ኣብዛ ሓጻር ጽሒፈይ ከቕርበን ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ መሬት ብሌን(ሰንሒት) ዝተኸተልዎ ስትራተጂ ብከፊሉ ክገልጽ ክፍትን እየ።

1. ምምስራት ማርያም ደዓሪት(1869)

ቅድሚ ምምጻእ ግብጻውያንን ኢጣልያውያንን ህዝቢ ብሌን ብውሑዱ ክልተ ዓበይቲ ማእከላት ነበራኦ። ንሳተን ድማ ገዳም ደብረ-ሲናን ገዳም እንዳ ስላሰን። ነዘን ክልተ ማእከላት ብምግባር ድማ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ብቀሊሉ ይረክብ ነበረ።

ኣብዚ ማእከልነት ዝነበሮ ስሩዕ ሂወት ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ካብ ልማዱን ስርዓቱን ብቐሊሉ ዝላቐቕ ኣይኮነን። እቲ ዝበለጸ መንገዲ ነቲ ዝነበረ ማእከልነት መተካእታ ዝከውን ግና ከኣ ተመሳሳሊ ባህርይ ዘለዎ ማእከልነት ክምስረት ነበሮ።

በዚ መሰረት ካብታ ኣብ ደብረ-ሲና ዝነበረት መንበረ ታቦት ቅድስቲ ማርያም ክላቐቕ – ማርያም ደዓሪት ብፈረንሳውያን ተኸልሉ። ብሰንኩ ድማ ህዝቢ ነቲ ክሳብ ባሕሪ ንምቁጽጻር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ማእከልነት ገዲፉ ናብ ዝረሓቐ ማእከላይ ቦታ ከም ማእከልነት ንምህናጽ ሓዳስ ከተማ ክትምዕብል ተገብረ። ኣብዛ ከተማ ድማ ዓበይቲ ቤተ እምነታት ክህነጹ ጀመሩ።

ገዳም ደብረ-ሲና ድማ ህቡብነታ ክዓኑ ተራእዩ።

2. ምምስራት ቤተ-ክርስትያን ከንሻ(1866)

ህዝበ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ድንግል ማርያም ልዑል ኣኽብሮት ጥራሕ ዘይኮነስ ጸጋኣ ንኽረክብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስን ወንገልን እዩ ስማ ዝጽውዕን ጸጋ ንኽረክብ ድማ ናብ ገዳማትን ቤተ-ክርስትያናትን ዝኸይድ።

ምስ’ዚ ክብሪ ዘይከይድ ኣብ ኤውሮጳ ዝማዕበለ ሃይማንኖት ከንሻ ብሽወደናውያን ብባጽዕ ዝጀመረ ናብ ከባቢ ደብረሲና(ገለብ፥ ሮብቶን ከባቢኣን) ማእከሉ ብምትካል ነቲ ህዝቢ ምስ ገዳም ደብረ ሲና ከም ዝፋታሕ ገበርዎ።

ካብቲ ጥንታዊ ገዳም ክንገላገል – መጽሓድ ቅዱስ ዝማእከሉ ስርዓተ-ኣምልኾ ክንክተል ከንሻ ኣብ ገለብ ተኺሎምልና። ብኡ መጠን ኣገዳስነት ደብረ-ታቦት ቀኒሱ።

3. ምምስራት ካቴድራል ቅዱስ ምካኤል ከረን

ነቲ ብህዝቢ ብሌን ዓቢ ክብሪ ዝነበሮ ታቦት ቅዱስ ገርጊስ – ኣብ ጎኑ ታቦት ቅዱስ ምክኤል ብምምጻእ ነቲ ጥንታዊ ታቦት ህዝቢ ብሌን ከምቲ ዝህቦ ዝነበረ ክብሪ ከይህቦ ጌሮም ናብ ሓድሽ ታቦት ከም ዝግዕዝ ጌሮሞ።

ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ውዲታት

ምምስራት ሓደሽቲ ማእከላት ቀሊል ኣይነበረን። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ኣቐዲሞም ንህዝቢ ሰንሒት ፋሕ ፋሕ ንኽብል እቲ ብልኡኽ ኤውሮጳውያን ከም ወኪል እስላማዊ ሃይማኖት ኣብ ከሰላ ማእከሉ ዝገበረ ብሃይማኖታዊት ስድራ-ቤት እንዳ ኣልሙርቓኒ(al-Murghani family) ማእከልነቶም ከሰላ ከም ዝሃንጹ ተገብረ።

ነቲ ድሕሪ ወራራት ፉንጂ(ሱዳን) ካብ 1504 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ዑመር ኩኑ (Omer Kunu)ዝተመስረተ ንግስነት ቢንዓምር ብድፍኢት ግብጻውያንን ሓደስቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣል-ሙርቓንን ብ1821 ግዳይ ከም ዝኸውን እዩ ኮይኑ።

ብስርዓት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ቢንዓምር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁፃር ኣልምርጋኒ ስለዝወድውቐ ምንጪ ሰራዊት ግብጺ ብምዃን ዕሱባት ዓሳክር ካብ ከሰላ ተበጊሶም ንመሬት ሰንሒት ብተደጋጋሚ ወረርዎን ዘመትዎን።

ምስ ተዳኸመ ድማ ከም ሓገዝቲ ተመሲሎም እቶም ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ነቲ ኣብ ክርስትና በርቲዑ ዝተረፈ ክሕግዙ ከለዉ ነቲ ኣብ እስልምና ዝቐየረ ድማ እንዳ ኣልሙርጋኒ ተቖጻጸርዎ። በዚ መሰረት ህዝቢ ብሌን ፍርቁ ናብ እስልምና ተማዕቊቡ – ፍርቁ ድማ ናብ ካቶሊክ።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.