እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዛራ ጥበባት (Zara Tbebat) ዝተወስደ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ክንደይ ሕግታት ከም ዝነበረን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ውን ወላ ደኣ ከም’ቲ ዝድለ ኣየገልግለ መሰረት ህዝቢ ኤርትራን ዋንነትን ስለዝኮነ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ መጎት ኣዝ’ዩ ኣገዳሲ ቦታ እዩ ዘለዎ። ብፍላይ ኣብ ምምስራት ስርዓተ ኤርትራ እዞም ሕግታት እምነ መሰረትን መሰረት ደቀ-ባት ኤርትራ ዘውሕሱን ስለዝኾኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦም ክዕቅቦምን ግዴታ ኣለዎ።
ኣብዚ ዝርዝር 32 ስርዓታትን ሕግታትን ቀሪቦም ኣለዉ። ኣብ ቀጻሊ ንነፍሲ ወከፍ ክዝርዝሮም ክፍትን እየ።
1- ስርዓት ሎጎ-ሳርዳ – (ጥንታዊ ፊደላት ትግርኛ ጽሑፍ ዝተረኽቦ ናይ 13 ክ/ዘ) – Order of Logo-Sarda (13thC)
2- ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of Adkeme-Milga
3- ስርዓት ኣድግናተገለና – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of Adgine-Tegelena
4- ስርዓት ሎጎ-ጭዋ – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ (ናይ 15 ክ/ዘ ምዃኑ‘ዩ) – Order of Logo-Chewa
5- ስርዓት እንዳ ፍግራይ፡ ሰለስተ ዋዕላ ጽምሮ ትምዛኣ – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ (ናይ 13 ክ/ዘ ምዃኑ ይንገረሉ) – Order of Enda Figray : Seleste Waela Tsimro Timza’A
6- ስርዓት እንጋንኣ ዓጽሚ ሓርማዝ – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of Engan’A Atsimi Harmaz
7- ሕጊ ቡሮ ዓልን መድዓን (ሕጊ ዓፋር) – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝተደብተረ – Buro Ali and Med’A (Afar Customary Law)
8- ስርዓት ካርነሽም – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of Karneshim
9- ስርዓት ደምበዛን – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of Dembezan
10- ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደብተረ – Order of ShewAte Anseba
11- ሕጊ ሰሓርቲ-ላምዛ-ወቀርትን ዳምባን – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደብተረ – Seharti – Lamza – Weqerti Customary Law
12- ስርዓት ሃብተስሉስ-ገብረክርስቶስ-ደቀተሽም – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደብተረ – Habte Slus – Ghebrekristos-Deqi Tashim Customary Law
13- ስርዓት ምዔም-መሓዛ (ድሒሩ ምስ ስርዓት ኣድግና-ተገለባ ዝተጸንበረ) – Order of Mie Mehaza
14- ስርዓት ሓደግቲ – Order of Hadegti
15- ስርዓት ማይ-ኣድጊ – Order of Mai Adgi
16- ስርዓት ዝባን ሰራውን እንዳ ደቆን – Order of Ziban Seraw and Enda Deqon
17- ስርዓት ኣርባዕተ በዓልፋን – Order of Arbaete Bealfun
18- ስርዓት ጽንዓደግለ – Order of TsinAdegle
19- ሕጊ ዓደ‘ዓውለ – Ade Awle Customary Law
20- ስርዓት ዘማት – Order of Zemat
21- ስርዓት ሊባን – Order of Liban
22- ኣልቃኑን ኣልዕሩፍ ልሙስሊምን ሊቀባኢል ሳሆ (ሕጊ ሳሆ) – ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝተደብተረ – Alqanun Al’Eruf Limuslimin Liqebaeil Saho (Saho Customary Law)
23- ኣልቃኑን ኣልዕሩፍ ልሙስሊምን ሊቀባኢል ኣልሳሕል ኣልዓም (ሕጊ ሳሕል) – ኣብ ግዜ ፈደረሽን 50ታት ዝተደብተረ –
Alqanun Al’Eruf Limuslimin Liqebaeil Sahel Al’Am (Sahel
Customary Law)
24- ኣልቃኑን ኣልዕሩፍ ልሙስሊምን ሊቀባኢል በኒዓምር (ሓድሽ ሕጊ በኒዓምር) – ኣብ ግዜ ፈደረሽን 50ታት ዝተደብተረ –
Alqanun Al’Eruf Limuslimin Liqebaeil Beni Amir (New
Customary Law of Beni Amir)
25- ሕጊ ቤት ታርቀ ቦጎስ ብሌን – ኣብ ግዜ ፈደረሽን 50ታት ዝተደብተረ – Bet Tarqe Bogos Bilen
Customary Law
26- ሕጊ ማርያ (ሕግታት ማርያ ጸሊምን ቀይሕን) – ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያንን ኢትዮጵያን ዝተደብተረ – Marya
Customary Law (Marya Keyih and Marya Tselim)
27- ሕጊ ከልአ-መንሳዕ ፍትሕ መሓሪ – ኣብ ግዜ ጥልያን ዝተደፍተረ – Kel’E-Mensa’e fith Mehari
Customary Law
28- ሕጊ ብሌን ታርቀን ታውቀን 12ተ ነገደን (ዝተወሃሃደ ሕጊ ብሌን) – ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ – Bilen Tarqe-Tawqe-12 Neged Law
29- ሕጊ ኩናማ (ቡያ) – ኣይተደፍተረን – Kunama
Customary Law (Buya)
30- ሕጊ ናራ (ቡታ) – ኣይተደፍተረን – Nara
Customary Law(Buta)
31- ሕጊ ብዳውየት (ኣልሳዋሊፍ) – ኣይተደፍተረን – Bidawet
Customary Law(Al-Sawalif)
32- ሕጊ ራሻይዳ (መድዓ) – ኣይተደፍተረን – Rashaida
Customary Law(Med’A)