ካብ ሶማል እንታይ ንመሃር? ፖለቲካ ኤርትራ ብመንጽር ፖለቲካ ሶማል

This was a collection from my facebook post on 27/09/2018. It was meant to enlighten Eritreans on what is going on in today’s Eritrean politics. Learning experiences from other countries is vital in understanding the broader sense of the much complicated East African politics.

Part I

ድሕሪ ናጽነት ሶማል ዝሓሸ ኣጀማምራ እኳ እንተነበራ – ኣንጻር ምዕራባዊ ባህሊ ብዝብል ብተኸተልቲ ሱፊ(Sufism) ዝኾኑ ማሕበር መንእሰያት ኣሓል ዝጀመረ ምንቅስቓስ ድሒሩ’ውን ብኣልናህዳ ዝተጠናኸረ ኣደዳ ሕንፍሽፍሽ ከም ትኸውን ጌርዋ እዩ።

ምስ ግዜ ማሕበር ኣሕዋት ሙስሊም ነቲ ዝነበረ ዴሳዊ ስነ-ሓሳብ(Socialism) ዝኽተል መንግስቲ ክቃወም ምስ ጀምረ ድማ ኣልናህዳውያን ምስ ማሕበር ኣሕዋት ሙስሊም ሓቢሮም ክሰርሑ ስለዘይደለዩ – ሶማላውያን ብስነ-ሓሳብ ሃይማኖት ክመቓቐሉ ጀሚሮም። በዚ መሰረት ድማ ሓቢሮም ኣንጻር እቲ ዝነበረ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ክቃለሱ ኣይከኣሉን።

እቲ ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ብማሕበር ኣሕዋት ሙስሊም ዝጀመረ ምስጢራዊ ምንቅስቃስ ናብ ኢስላሕ(Islaah) ዝብሃል ወግዓዊ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምስግጋሩ ድማ ኣብ ሶማላውያን ርኡይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ፍልልይ ተኸሲቱ።

ኣልናህዳውያን ወላኳ ዘይጎነጻዊ ምንቅስቓስ ይጥቀሙ እንተነበሩ ዝነበሮም ሱፋዊ ኣተሓሳስባ ብብዙሕ መለክዒ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ክንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን።

ኢስላሕ – ኣብ ቀቢላታት ሶማል እናወረደት ትሰርሕ ስለዝነበረት ድማ ድሕሪ ውድቀት ሰይድ-ባረ ሶማል ናብ ሕንፍሽ ፍሽን ኲናት ሓድሕድን ክትወድቕ መንገዲ ከፊቱ።

ኣልናህዳውያ ወላኳ ንባዕሎም ሓደ ነብሱ ዝከኣለ ብሱፋዊ ኣተሓሳስባ ዝግዝኡ እንተኾኑ – ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣተሓሳስባታት ልዕልና ዘለዎም ብምምሳል ኣንጻር ቀቢላዊ፥ እንዳዊ፣ ኣውራጃዊ ኮነ ካልእ ምክፍፋላት ዝቃለሱ ንኸምስሉ ህዝቢ ሶማል ንኸይሓብር ዕንቅፋት ኮይኖም እዮም።

ብሰንክ እዚ ድማ ሶማላውያን ኣብ ሰለስተ ኣተሓሳስባታት ተቐርቂሮም።

1. ብዓረባዊ ሃገራውነት ዝተጸልወ ግና ከኣ ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ (Socialist) ዝምራሕ ዓለማዊ(secular) ኣተሓሳስባ – ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ሶማል

2. ሃገራዊ ዝማእከሉ ሃይማኖታዊ(Sufism) ኣተሓሳስባ – ብዘይካ ሃይማኖት ምስ Socialism ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ እዩ። ውሑድ ግን ከኣ ኣዝዩ ጸልዊ

3. ሃይማኖታዊ(Salafism) ኣተሓሳስባ – ብዝያዳ ኢስላሕ ዝፍለጥ። ኣብ እንዳታት ቀቢላታት ወላ ኣውራጃታት ወሪድካ ስራሕ ዘይጽግሞ ውዳበ ዘለዎ። – ብዙሕ ግን ከኣ ትሑት ጽልዋ ዝነበሮ

ህዝቢ ሶማል ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ሓይልታት ተቐርቂሩ መዋጽኦ ብምስኣን ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ። እዚ ኲናት ሓድሕድ ድማ ካብ ቁጽጽር ቕዞም፡ሰለስተ ሓይልታት ወጻኢ ስለዝነበረን ድሒሩ ውን ብግብረ-ሽበራውያን ስለዝተጨውየን ሶማል ከም ሃገር መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ወዲቓ።

ሶማል ኣብ ኲናት ሕድሕድን ግዳይ መዋፈሪ ግብረ-ሽበራውያን ምስ ወደቐደት ድማ ነታ መንግስቲ ኣልቦ ሶማል ናብ ዘይተደልየ ምዕባለ ከይከይድ ናይ ደገ መንግስታት ጣልቃ ኣትየን።

ኢትዮጵያ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ሶማል’ውን ዓቢ ተራ ተጻዊታ እያ። እዚ ግና ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ክመጻ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝገበረቶ ደኣምበር ሽግር ሶማልሲ ብዓቢኡ ሶማላውያን እዮም ፈጢሮሞ። ብዝያዳ ኣተሓሳስባ Sufi and Salafi ኣዝዩ ሓደገኛ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ካብ ዘሕዝነካ ሕጂ ውን እዞም ሰለስተ ሓይልታት ብደገ እናተሓገዙ ማለት

1. Secularists ብኢትዮጵያን ምዕራባውያን ሃገራትን
2. Sufists – ከም በዓል ኢራን
3. Salafists – ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ

ነታ ሃገር ገና ርጉእ ሂወት ክመርሑላ ኣይከኣሉን ዘለዉ። ንይምሰል ግና ፖለቲካውያን ውድባት መስሩቶም ዲሞክራሲ እናበሉ መን ዓብለለ ኮብቱ ቁርቁስ የካይዱ ኣለዉ። ህዝቢ ሶማል ድማ ዝረድኦ ስኢኑ ፋሕ ብትን ኢሉ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ውን ተመሳሳል ተመሳሳሊ ኣካይዳ ኢኻ ትዕዘብ።

ካብ ናይ ሶማል ፍልይ ዘብሎ እንተሃልዩ – ሶማል ሓደ ሃይማኖታ ክትከውን ከላ – ኤርትራ ግና ክርስትና ይውሰኾ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ክርስትያን ወገን ብሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ውን ብከፊሉ ዝተጸልወ እዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ዝርአ ድኹም ግን ከኣ ርኡይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ነዚ ንምዕዛብ ኣብ መናሰያት ስምረትን ንዕኡ ንምትካእ ኢሉ ዝተፈጥረ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝብል ሓድሽ ግን ከኣ መብዛሕትኦም ካብ ስምረት ዝወጹ ኣባላት ዘለውዎ ምንቅስቓስ ክንዕዘብ ይከኣል።

እቲ ቀንዲ ኣብ ክርስትያን ኤርትራውያን ገኒኑ ዝርአ ግና ኣውራጃዉ ምፍልላይ እዩ።

ስለዚ ኤርትራ ውን ግዳይ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባታትን ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባታትን ኮይና ስለዘላ ብደቂቕ ከንጽንዕን ከሊ ጌና ድሕሪ ውድቀት ሻዕብያ ንዝመጽእ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍስ ክንዳልወሉን ካብ ዘየድሊ ጌጋታት ከይንወድቅ ድማ ክንዳሎን ይግባእ።

እንተዘይኮነ – ኣብ ከምዛ ናይ ሶማል – ሓያላን ሃገራት ኢንፉቭን እናተኸላልና ዲሞክራሲ እናበልና ኣብ 1000 ዝከውን ኮንቱ ውድባትን ማሕበራትን ተመቓቒልና ህዝብና እናሳቐና ክንነብር ኢና፡። ኤርትራ ድማ ከምዚ ናይ ሶማል መዐንደሪ ኢትዮጵያን ናይ ደገ ሓይልታትን ኮይና ክትተርፍ እያ።

ስእሊ።
ኣባላ ኣፍሪቃዊ ኣልራቢጣ ኣልእስላም ጨንፈር ኤርትራ ዝነበረ ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ፕረሲደንት ባይቶ ኤርትራ ድሕሪ ውን ኣቦ ወንበር ተሓኤ(1961 – 1975) ዝነበረ እድሪስ መሓመድ ኣድም

ካብዘን ስእልታት ንመሃሮ እንተሎ – መን ይመርሓካ ከምዘሎ ብግቡእ ከይፈለጥካ ዘይምምራጽ

Part II

ፖለቲካዉ ምዕባለታት ሶማል ድሕሪ ናይ 1960ታት ምንቅስቃስ መንእሰያት ኣሓል

Political Developments after the 1960s Ahal Youth Movement in Somalia.

ካብ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ብ”ኣሓላ -Ahal” ዝፍለጥ ብመንእሰያት ደቂ ጀበርቲ ዝቖመ ንሃይማኖት ምስልምና ንምክልኻል ዝብል ምኽንያት ዝጀመረ ምንቅስቓስ ጠንቂ ናይቶም ኩሎም ድሒሮም ዝመጹ ፖለቲካዊ ምፍንጫላት ከም ዝኾነነ ከቢድ ኣይኮነን።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ወላኳ ሶማል ብምንቅስቅስቃስ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ተተባቢዑ ዝተመስረተ Somali Youth League ንናጽነት ሶማልን ምምስራት መንግስቲ ሶማልን ዓቢ ኣስረዋጽኦ እንተነበሮ – ዘይሓሰቦ ዕንቅፋት ግና ብመንእሰያት ምንቅስቓስ ኣሓላ(Ahal) ርኡይ ብድሆ ኣጋጢምዎ።

እዚ ዝኮነሉ ምኽንያት ድማ Somali Youth League ዝያዳ ሃገራዊ ስለዝነብረን ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዝያዳ ዝተጸልወን መንግስቲ ስለዝመስረተ እቶም ኣብ ሃይማኖት ዝያዳ ዝግደሱ ዝነበሩ ወገናት ኣይተሓጎሱን። በዚ ምኽንያት ድማ ኣንጻር ምዕራባዊ ባህልን ዓለማዊ መንግስትን ዝብል ብርቱዕ ምንቅስቓስ ብመንእሰያት ኣሓል ኣንጻር ኣካይዳ መንግስትን ምዕራባዊ ባህልን ጀሚሩ።

ገለ ካብ መስረቲ ምንቅስቃስ ኣሓል ኣብ ኣገዳሲ ጽፍሕታት መንግስቲ ስለዝነበሩ ድማ ንፕረሲደንት ሶማል ኣካይዱ ሃይማኖት ዝማእከሉ ክገብሮ ኣትሪሮም ተላብዮሞ። ፕረሲደንት ሶማል ነበር ሰይድ ባረ በንጻር እቲ ኣባልት መንግስቱ ዝመኸርዎ ሃገሩ ዴሳዊት ከምዝኾነትን ናይ ማርክሲስታዊ ስነ-ሓሳብ ከም ትኽተልን ብወግዒ ንዓለም ነጊሩ። በዚ ዘይተሓጎሱ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምውዝነቶም ብምግዳፍ ሂወቶም ከድሕኑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።

እቲ ኣብ ናጽነት ሶማል ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ድማ ብኣካይዳ መንግስቲ ሶማል ስለዘይተሓጎሰ ክቃወሞ ጀሚሩ። ኣብ መንጎ ግና እቲ ቀንዲ መስራትን ዓቢ መራሕን ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ብ1969 ነቲ ማሕበር ስለዝገደፎ ከምኡ ውን ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ብወግዒ ስለዝፈረሰትን ምንግስቲ ሶማል ከጋጥሞ ዝኽእል ዝነበረ ውሽጣዊ ሓይሊ ኣብ ሶማል ኣይነበረን።

ንምንቅስቓስ ኣሓል ስዒቡ ዝመጸ ኣልናህዳ’ውን ርኡይ ዝኾነ ሓይሊ ኣቚሙ ክቃወም ኣይከኣለን። መንግስቲ ስማል ድማ ብዴሳዊ ስነሓሳብ ዝያዳ ክሕይልን ዘመናዉ ሰራዊት ክሃንጽን ክኢሉ።

ብኣካይዳ መንግስቲ ሶማል ዘይተሓጎሱ ሃይማኖታውያን ሓይልታት ድማ ዝያዳ ክምስረቱን ኣብ ደገ ዝመሃሩ ዝነበሩ ሶማላውያን መንእሰያት ኣብ ምቑጻርን ክቀዳደሙ ተራእዪም።

ኣብዚ ግዜዚ ድማ ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ዝያዳ ክንቀሳኣቀስ ተራእዩ። ኣብ ካርቱም ዪኑቨርስትን ስዑዲ ድማ ብትምግርትን ስራሕን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣባላት ክቖጽር ክኢሉ። በዚ መሰረት ድማ ማሕበር ኣሕዋት ሙስሊም ሶማላውያን ዝያዳ ሓይሉ።

እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ሶማል ተወዲቦም ዝነበሩ ኣልናህዳውያን ምስ ምስ ኣሕዋት ሙስሊም ሶማላውያን ኣባላት ክኾኑ ስለዘይመረጹ ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዝነበሩ ሶማላውያን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ክልተ ደንበ ተመቒሎም ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም። እዚ ጥራሕ ከይኣክል እቶም ቀንዲ መስረቲ ምንቅስቃስ ኣሓል ስነ-ሓሳብ ታቕፊሪ(Takfirኢ Ideology) ዝብሃል ብምምዕባል ንከምኦም ኣስላም ክኹኑን ከቆናጽቡን ተራእዮም። ዝያዳ ሞራላዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብብምሳል ድማ ኣብ ህዝቢ ሶማል ዘይነበረ ናይ ሃይማኖት ልዕልና(Religious Supremacist) ክተኣታቶ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቶም።

ብሰንኪ እዚ ድማ ሶማላውያን ወላ’ኳ ኣስላም እንተነበሩ – ነንሕድሕዶም ኣብ ምኩናን ብምእታው ዝያዳ ፖልርቲካውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ስዒብዎም። ብሰንኩ ድማ ሶማላውያን ፋሕ ብትን ኢሎም።

ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ሶማላውያን ብቅሉዕ ምንቅስቃስ ዓቢ ሽግር ስለዘጋጠሞ ስልቱ ብምቕያር ኢስላሕ(Islah) ዝብሃል ውድብ ብብምስራት ንመንግስቲ ሶማል ዓቢ ተቓውሞ ክገብረሉ ክኢሉ። እንተኾነ ግና ህዝቢ ሶማል ብቀቢላታት ክመቓቐል ስለዝጀመረ ምንቅስቃስ ሶማል ሓደ ምእኩል ኣካይዳ ክኸይድ ኣይከኣለን። ሶማል ድማ ኣብ ሕንፍሽ ፍሽ ኣትያ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ውን ብዙሕ ተመሳሳልነት ዘለዎ ይመስል።

መንእሰያት ጀበርትን ማሕበር ጀበርትን ዝያዳ ብመሰል ህዝቢ ጀበርቲ ዝንቀሳቐሱ እኮ እንተመሰሉ – ንጥፈታት ጀበርቲ ኣብ 1960ታት ብናይ ሶማል ምንቅስቃስ ዝተጸልወ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኣካይዳን ውዳበታቶምን ውን ምስ ናይ ተወላዶ ሶማል ዝኮኑ ደቂ ጀበርቲ ብዙሕ ምምስሳል ኣሎ። እዚ ታቕፊር ዝብል ዘረባታት ውን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ይርአ። ኣብ ሃይማኒኖት እስልምና ዝለዓለ ሞራላዊ ሓላፍነት ዘለካ ኣምሲልካ ምቕራብ ውን ድኹም ደኣ ይኹን እንበር ይርአ እዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣልናህዳ ውን ምስ ናይ ሶማል ኣልናህዳ ስማዊ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ይሕብረካ። ፖለቲካዊ ዕላምኦም ግና ብዙሕ መጽናዕሪ የድልዮ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝዋሳእ ኢስላሕ(Islah) ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድብ ኣለዎ። እዚ ውን ምስ ናይ ሶማል ስማዊ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን – ፖለቲካዊ ኣካይዳና ጽቩቕ ጌና ክንፈልጦን ከምዚ ናይ ሶማል ዘጋጠሞም ከየጋጥመናን ካብ ብሕጂ ጉዕዞና ነጻፍፍ።

ህግደፍ ክወድቕ እዩ። ንሱ እዩ ዕላማና።
ሃገርና ኤርትራ ክትወድቕ ዝምነ ዘሎ ግና ኣይመስለንን። ወላ ውን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠኣቀስክዎም ምንቅስቃሳት ናይ ኤርትራ ዕላምኦምስ በቲ ንሶም ዝሃስብዎ ንጽቡቕ ኤርትራ እዩ። ግና ንኹኩ ኤርትራዊ ዝሃቁፍ ድዩ ኣይሓቁፍን ብግቡእ ክንምርምሮ ይግባእ።

ኣካይዳ ኣልናህዳውያን ኮነ ኢስላሕ ንሶማላውያን ክሓቁፍ ካብ ዘይከኣለ – ንኤርትራውያን ውን ክሓቁፍ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። እዞም በዚ ስነ-ሓሳብ ተጠርኒፎም ዘለዉ ድማ ዝያዳ ኣብ ኤርትራዊ ምውህሓድ ክሰርሑ ዝበለጸ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ገለ ካብ ዝተወከስክዎም ጽሑፋት፥

  1. https://pt.scribd.com/…/Phases-of-the-Islamic-Movement-in-S…
  2. https://en.m.wikipedia.org/wiki/Takfiri
  3. https://en.a9.com.tr/Adam-Abu-Alharit-Eritrean-Islamic-Isla…
  4. https://youtu.be/3wbXh35rdUE

Part III

ናይ ሶማል ሞዴል ብምኽታል ዝጀመረ ናይ መጀመርታ 40ታት ምንቅስቓስ ኣልራቢጣል ኣልእስላምያን ድሒሩ ዝመጸ ምፍንጭላትን

ልክዕ ከምቲ ናይ ሶማል ንጥፈታት ኣልራቢታ ኣልእስላምያ – ኣብ 40ታት ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ንኤርትራውያን “ኣንጻር ምምቕቓል ቀቢላታትን ልዕልናን Struggle Against Tribalism and Serf Emancipation” ዝብል ብሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዝምራሕ ምንቅስቓስ ዓቕሎም ስለዘጽበበሎም እቶም ኣብ ውሽጢ Eritrean Muslim League ተጠርኒፎም ዝነበሩ በብሓደ እናተፈንጨሉ ፋሕ ፋሕ ክብሉ ጀሚሮም።

ገለ ካብዚኦም ድማ

1. ናይ ባጽዕ ጨንፈር – ብሼኽ ዓሊ ራዳእ
2. ናይ ሳሕል ጨንፈር (ሮራ)- ብከንቲባ ዕስማን ሒዳድ
3. ናይ ባርካ ጨንፈር – እድሪስ መሓመድ ኣደም ከምኡ’ውን ድግለል ጀላኒ

ኣብ መወዳእታ 40ታት ኣትሒዞም ምስ ኣንድነታውያን ክተሓባበሩ ጀሚሮም።

እዚ ተርእዮ እዚ ድማ ንምንቅስቃስ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ብኣሉታ ስለዝጸለዎ ኤርትራ ናብ ፈደረሽን ክትኣቱ ክኢላ።

ሕጂ’ኸ?

እዞም ቋንቋ ዓረብ ትብሉ ዘለኩም ክትመቓቕሉና ዲኹም ደሊኹም?

ከምዛ ናይ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብሓይሊ ሓደ ንኹን ምባል ምፍንጫል ጥራሕ እያ።

እዚ ኣብ መወዳእታ 40ታት ዘጋጠመ ምፍልላይ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ኣብ ካይሮ ምስ ከዱ ውን ኣብ መንግኦም ምትእምማን ስለዘይነበረ ጀብሃ ክትምስረት ከላ እድሪስ መሓመድ ኣድም ምስ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ክተዓረቕ ኣይከኣልን። ደሓር ውን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣነ ናተይ ማሕበር ኣላትኒ (ማለቱ ኣልራቢጣ ኣላስላምያ) ስለዚ ኣብ ክልተ ምንቅስቃስ ኣይሳተፍን ብምባል ገና ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከይጀመረ ከሎ በበይኑ ዕላማ ጌሩ።

ጀብሃ ድማኒ ካብ ኣተሓሳስባ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ብከፊሉ ብምውጻእ ዝያዳ ብዓረባዊ ዓገራውነት እናተጸልወት ከይዳ። ደሓር ውን ኣልራቢጣ ብ1969 ንጥፈታታ ደው ምስ በለት ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን ውን ካብ ፖለቲካ ኤርትራ ዛሕቲሉ።

ልክዕ ከምታ ናይ ሶማል እያ። ሼኽ ሻሪፍ ማሕሙድ ንሶማላውያን ሓደ ንኹን ኢሉ ዝሰበኾም ግዝያዊ ፍታሕ ደኣ እዩ ኣምጺኡ ደኣምበር ደሓርሲ ጠንቂ ምብትታን እዩ ኮይንዎም።

ኣብ ኤርትራ ውን እዞም ኣስላም ዝኾና ብቋንቋ ዓረብ ንሕበር ዝብል ንግዝያዉ ፍታሕ ክመስል ይኽእል። ኤርትራዊ ፍታሕ ከምዘይኮነ ግና ንፍለጥ።

ስእሊ

1. ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን
2. ሼኽ ሼኽ ዓሊ ራዳእ ናይ ባጽዕ
3. እድሪስ መሓመድ ኣድም ናይ ደቂ መታሕት
4. ሼኽ ኣል-ሸሪፍ ማሕሙድ – መስራቲ ማሕበር ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ኣብ ሶማልያን ኣፍሪቃን

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s