ኣሉታዊ ጎድንታት ኣውራጃዊ ውደባ: ጠርነፍትን ተጠርነፍትን እዚ ውደባ’ከ መን እዮም?

Source: https://www.facebook.com/saba.gebremeskel.319/posts/415243118894772

ኣብዚ ማሕባራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዛዕባ ኣውራጃዊ ውዳበ ተዘሪቡሉን ይዝረበሉ ኣሎን። ገለ ሰባት ጽቡቕ ኣማራጺ ክብሉ ከሎው ገለ ድማ ብኣንጻሩ ኣየርብሕን ይብሉ። ኣነ ውን ምስ ስባት ይኹን ነብሰይ ኣብ ሙጉት ዝኣተኹሉ ውሑድ ኣይኮነን።
ንምዕቃብ ባህልዋን ማሕበራዊ ምትሕግጋዝን ዝዓለመ ምትእኽኻብ ዝወጾ መንቅብ የብሉን። ክንዲ ብዞባታት ብኣውራጃታት ምምሕዳር ዝብል ምጉት እውን ንህዝቢ ብዝጥዕም መንገዲ ይኹን እምበር ፍሉይ ተቓውሞ የብለይን።

ኣርእስተይስ ኣውራጃዊ ውደባ ንፖለቲካዊ ዕላማ እዩ። ውደባ ብኣውራጃታት፡ ድሕሪ ምእላይ ህግደፍ እውን እዘን ኣውራጃውያን ውድባት ( ሰልፍታት) ብዃን ክቕጽላ ዘሎዎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

እዚ ደምበ ተቓውሞ ለውጢ ስለዘተራእየሉ ብዙሕ ኣማራጺታት ክቐርብ ኣውንታዊ ርእይቶ ኣሎኒ። እቲ ኣማራጺታት ኣሉታዊን ኣውንታውን ጎድኑ ክዝረበሉን ጸገማቱ ክፍለጥን ፖለቲካዊ መጻኢና ውሑስ ይገብር። ነዚ ተጠቒመ ድማ ኣሉታዊ ጎድኒታት ኣውራጃዊ ውደባ ንፖለቲካዊ ዕላማ ኣብ ትሕሪ ዝብል ብዝቀለለ መልክዑ ክሕንጥጥ ክፍትን እየ። ከም ኣብነት ዝደጋገማ እተን ሰለስተ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት እየን፡ እቲ ጽሑፍ ግብ ንኹሉ ኣብ ግምት ከእቱ ይፍትን።

1ኣብዚ_ግዜ_ዘጋጥሞ_ብድሆ

ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ብኸመይ እዩ ክእከብ? ካብ ሃገር ናብ ሃገር ጆኦግራፍያዊ ቅርጺ ስለ ዝፈላለ መንእሰያት ብቐሊሉ ክእከቡ ኣየኽእሎም። እንተተኻእለ እውን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ወይ 2 ግዜ እናተራኸብካ፡ ዓበይቲ ሽግራት ክትፈትሕ ኣይክኣልን። (ካብ ምዝታይ ንኣሽቱ ጉዳያትን ሳዕሲዒት ድሕሪ መስተን ድማ ኣይሓልፍን።)

#ቁጦባዊ ትሕዝቶ ውልቀሰባት፡ ኣብ ካምፕ ዝቕመጡ፡ ወረቐት ዝተነፍጉ፡ ብሰንኪ ስራሕ ንመገሻ ዝኸውን ዕረፍቲ ዘይብሎም ኣብዚ ሃገራዊ ጉዳይ ተደጋጋሚ ዝግደፉ እዮም።

#ኣብ facebook፡ pall talk እንተኾይኑ እቲ ምትእኽኻብ እውን እቲ ሽግራት ማዕረማዕሪኡ። መን ናይ መን ኣውራጃ ክትፈልዮ ቀሊል ኣይኮውንን።

#ናይ_ከተማታትን_ዓድታትን_ጥርናፈ_የዳኽም

ክንዲ ወዲ ኣውራጃኻ ክትረክብ ናብ ርሑቕ ምጋሽ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባኻ ክትረኽቦ እትኽእል መን እዩ ብዘይኣገድስ ኤርትራዊ ክትእከብን ክትዝትን’ዶ ኣይቀልልን። እቲ ወፍሪ ብቐረባ ተራኺቦም ብዝጥዕሞምን ቀጻልን ክእከቡ ዝኽእሉ እንተዝግበር ዝበለጸ ምኾነ። ንኣብነት ህጹጽ ጉዳይ ኣጋጢሙ ምእካብ ዘድልዮ ሃገራዊ ጉዳይ ምስ ዝህሉ ክንዲ ደቂ ኣውራጃኻ ምጽባይ ምስእቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ደቂዜጋ ምእካብ ይቐልል።

እዚ ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ ሰባት ሓይሎም ኣንፈቶምን ብምምቕቓልን ነተን ናይ ከተማታት ወይ ዓድታት ናይ ፍትሒ፡ ሲቪካውያን፡ ምንቅስቓሳት፡ ውድባውያን ማሕብራት ከይዓብያ ዕንቅፋት እዩ።

ጉዳይ እምነት እንተኾይኑ፡ ነቲ ኣብማዕዶ ዘሎ ወዲ ኣውራጃኻ ብኸመይ መዐቀኒ ካብቲ ምሳኻ ዝቕመጥ ወዲ ዘይኣውራጃኻ እትኣምኖ? ዘሎኻዮ ኣነባብራ እምበር ሕሉፍ ታሪኽካን መበቆልካን ኣይገልጸካን። ህልው ኣነባብራኻ ድማ እቲ ምሳኻ ዘሎ ሰብ እዩ ዝፈልጠካ እምበር ማዕዶ ዘሎ ወዲ ኣውራጃኻ ኣይፈልጠካን።
( ፖለቲካ ናብ ብሕግን ስርዓትን እምበር ኣብ እምነትን ድሓን ይፈልጦም እየን ክምርኮስ ከምዘይብሉ ብዙሕ ታሪኽ ይምህረና። )

#ብሉጻት_ውልቀሰባትን_ሃገራውያን_ውድባትን_በዚ_ይወሓጡ

ንበሎ እዚ ሓሳብ ተዓዊቱ ህዝቢ በብእውራጃኡ ክውደብ ተኻኢሉ ኣውራጃውያን ውድባት ይፈጠራ፡ ነዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ነጻ ኤርትራ እዘን ውድባት ከም ሰልፍታት ንዲምክራስያዊ ምርጫ ይቕረባ። ( ስም እውን ክንዕድለን ሓማሴን ዲሞክራስያዊ ውድብ፡ ሰራየ ዲሞክራስያዊ ውድብ፡ ኣከለጉዛይ ዲሞክራስያዊ ውድብ፡ ሰመሃር ዲሞክራስያዊ ውድብ፡ ፡ ፡ ፡ ፡)

ህዝቢ ንቕሓቱ፡ ማሕበራዊ ጽልዋታትን ጎስጓሳትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብዚ ግዜ ይኹን ዳሓር ሰብ ናይ ኣውራጃኡ ውድብ ክመርጽ ክግደድ እዩ። ሓደ ሓማሴናይ እዞም ኣክለለጉዛይ ይሕሹ ብምባል ናይ ኣኩለጉዛይ ውድብ ክመርጽ ዘሎ ተኽእሎ ኣይራእየካን፡ ብኣንጻሩ ውን ከሙኡ።

ኣብዚ መስርሕ መን ንፉዕ መን ክመርሓና ይኽእል ጠፊኡ፡ መን ወዲ ዓደይ መን ወዲ ኣውራጃይ ይነግስ።
ኣየነይቲ ውድብ ኣርባሒ ፖለቲካዊ መስመር ትኽተል ጠፉኡ፡ መን እያ ናይ ኣውራጃይ ውድብ ይነግስ። ኣየነይቲ ውድብ ብሉጽ ቁጦባዊ መስመር ትኽተል ጠፊእዩ፡ መን እዩ ወዲ ዓድና መን እዩ ወዲ ሩባና ክዕብልል እዩ። ብዲሞክራስን ክእለትን ዘይኮነ ብጸቢብነትን ዓድነትን ድማ ንምራሕ። ( majority rules )

√√ኣብዚ መስርሕ ካብ ክለተ ኣውራጃ ዝውለዱ፡ ኣውራጃዊ ምጥርናፍ ዘይድግፉ፡ ፍርቂ ነብሶም ኤርትራውያን፡ ክልተ፡ሰለስተ ወለዶ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ብትውልዲ ኤርትራውያን ወጻእተኛታት፡ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ተወሊዶም ኣብ ካልእ ኣውራጃ ዝዓበዩ ገለ ካብቶም ሽግራት ዘጋጥሞም እዪም። ጎረባብቲ ሓድሕዶም ክዋሰኑ፡ ፍቑራት ክረሓሓቑ፡ ኣዕሩኽ ኣብ በበይኑ ሓሳባት ክጥሕሉ ይገብር። { ክላ እዚ ዳኣ እንታይ ጸገም ኣሎዎ ክንብል ንኽእል፡ እንተኾነ ኣብ እዚ ምጥርናፍ ካብ መሰረቱ ሕቶ ምውላድ ኣብ ግምት ስለዘእቱ መራሕትና ጽሩያት ደቂ ኣውራጃና ክኾኑ ኣሎዎም ዝብል ክምዕብል እዩ ። }

#ኣውራጃዊ_ግጭት_ክለዓል_ዝቐለለ_ዕድል_ይኸፍት

ኣውራጃታት ዝተፈላልየ ባህርያዊ ጸጋታት ስለዘሎወን፡ ኣብ ምምቕራሕ ጸጋታት ክሰሓሓባ ይኽእላ። ኣብቲ ዝፍጠር ማእከላይ መንግስቲ ዝግበር ጌጋታት ብእዋኑ ቆላሕታ ምስዘይረክብ እውን ውድባት ኣብ ግጭት ክኣትዋ ዝቐለለ ይኸውን። ውድባት ፋይናንሳውን ሰብኣውን ዓቕመን ደልዲለን ስለዝጸንሓን ኣብ ሽግር ዘጋጥመሉ ኣብ ግጨትን ምትህልላኽን ክኣትዋ ዝቐለለ ይኸውን። ( ክንረዳዳእ እንዲና ዝብል የዋሃ ትስፉውነት ዘይምሓዝ፡ ኣብ ፖለቲካ ብቐሊሉ ምርድዳእ ከምዘየሎ ሕሉፍናን ህሉው ኩነታትናን ይምስክር ኣሎ )

ደቂ ዓደይ ኣጆኹም፡ ርኣይዎም በሉ፡ ካብ ቀደሙ እዚእዮም ዝብሉ ትሑት ንቕሓት ዘሎዎ ህዝብና ከረሳስኑ ዝኽሉ ሰባት ኣብቲ መሪሕነት ክንረክብ ኢና። ( ኣብዚ ውደባ ዝኣምኑ እንታይ ዓይነት እዮም ኣብ መወዳእታ ጽሑፍ ምውካስ ይካኣኣል። )

#ኣውራጃታት_ንመሰልርእሰውሳነ_ክቃለሳን_ተፈልየን_ሃገር_ከቑማን_የተባብዕ

ኣድላዪ ኣብ ዝብላሉ እዋን ብቑጦባ ይኹን ወተሃደራዊ ዓቕመን ምስ ዝድልድላ ኣውራጃታት ብዝቐለለ ሕቶ ምግንጻል ከልዕላ ርሒብ ዕድል ዝህብ እዩ ።
እዚ ካብ ዘጋጥም ዘይምስምማዕ፡ ምምቕራሕ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ምትህልላኽ ኣውራጃታት፡ ፖለቲካዊ ጥሙሕ መራሕቲ ኣውራጃውያን ውድባት ከበጋግሶ ይኽእል።

#ሃገራዊ_ስሚዒት_የጉድል

ኣውራጃውያን ፖለቱከኛታት ንረብሓ ኣውራጃኦም ቀዳምነታት ስለዝህቡ (poletical particularism ) እቲ ዓቢ ሃገራዊ ሕቶ ክሃስስ ይኽእል። ኣውራጃነት ኣውራጃዊ ስሚዒት እምበር ሃገራዊ ስሚዒት ኣየተባብዕን።
ምስ ካሎኦት ኣውራጃታት ንሕና ከምዚ ጌርና ንሱኹም ከምዚ ኣይገበርኩምን፡ ማዕረ ማዕረ ንኹንን ካልእን ዝብሉ ኣርእስትታት ስለዝለዓሉ ሓባራዊ ስሚዒት ክንዲ ምጥራይ ብምትህልላኽ ኣብ ኣውራጃኻ ምትኳር ይዓዝዝ።
ምጉዳል ሃገራዊ ስሚዒት ንሓንቲ ሃገር ዘይምርግጋእን ይፈጥር ብምዕባለ ንድሕሪት ይጎትት።( Anarchism ይምዕብል )

#ማሕበራዊ_ፍልልያት_መሊሱ_የግፈሖ

ይዝከረኒ ካብ ዕላል ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ፡ “ገለ ገለ ስድራቤት ኣሎው ደቆም ጽዓዱ ብምምርዓዎም ወይ ዓርኪ ብምሓዞም እናተቐበሉዎ ደቂ ዓዶም ኣብ ዝሕዙሉ ኣከለጉዛይእዮም፡ ሓማሴን ኣዮም፡ ሰራየ እዮም ብምባል ክጋደፉ ጸቕጢ ይገብርይሎም” ይብል። እዚ ነቲ ዘሎና ገለገለ ማሕበራዊ ፍልልይ ኣብነት እዩ። መንእሰያት ነዚ ክንስዕሮ ድማ ይመክር። ኣውራጃዊ ውደባ እምበኣር ንዝነብረ ገለ ገለ ፍልልይ ከግፍሕ ርሒብ ዕድል ይፈጥር።

*ማሕበራዊ ምጥርናፋት፡ ኮማዊ ምትእኽኻባት፡ ውልቃዊ ርክባት እውን ቡኡ መጠን ይጽሎ።

#ጫፋዊ_ኣተሓሳባን_ሕድሕድካ_ምውሳንን_ይዓቢ

እዚ ኣብ ርእሲ ዶባት ዶብ ዝፈጥር ጥርናፈ ካብ ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባ 21 ክፍለዘመን ብምርሓቕ ጫፋዊ ኣተሓሳስባ ( radicalism )፡ ዓሌትነት (racism) ፡ ጸቢብነትን ዓቃባውነትን ክዓቢ ዓቢ ቦታ ይኸፍት። ዕላልካ፡ ዘተኻ፡ ክትዕካ፡ ፖለቲካዊ ስነሓሳብካ ቀጻሊ ኣብ ሓደ ዓንኬል ኣውራጃነትነ ዕንክሊል ይብል። ምህጣር ውድብካን ንምሕጓስ ደቂ ኣውራጃኻን ዓብዩ ካሎኦት ክፍልታት ሕብረተሰብ ሃሲሶም ይራኣዩኻ። ነዚ ክትቆጻጸሮ እኹል ንቕሓት ክትዓጥቕ ኣሎካ፡ ሕቶ ንቕሓት ድማ እዚ ንርእዮ ዘሎና እዩ።

#2

እዚ ኩሉ ሽግራት ክስዕበሉ ዝኽእል ምኽንያታት ኣብ ንደልየሉ መንድዪም ወደብትን ተሳተፍፍትን ኣውራጃዊ ምውዳብ ናብ ዝብል ይወስደና ( ሓደ ካብ ምኽንያታት )።

ኣውራጃዊ ምውዳብ ዝድግፉን ዝመርሑም መን እዮም?
(ትዕዝብቲ)

#ዓቃባውያን

ባህሊና፡ መኒነትና፡ ክብርታትና፡ ታሪኻና ይዝረፍ ኣሎ ክዕቀብ ኣሎዎ ምባል ገለ ካብ መግልጺ ዓቃባውያን እዩ ። ሕቶ መንነትን ቀንዲ ዛዕባኦም እዩ። ንዘምናዊ ምዕባለ ብኹፉትነት ኣይቅበሉዎን። ብዙሓት ዓቃባውያን ኣብ ዝኣምኑሉ ተረርቲ፡ ንምፍጻም ስነሓሳቦም ድማ ዘድሊ ክገብሩ ድሉዋት እዮም። ኩሎም ዳኣ ኣይኹኑ እምበር ብዙሓት ዓቃባውያን ናብ ብረትን ዘይኩፍትነትን ዝቐረቡ እዮም።
ታሕቶዎት ደርቢ ዓቃባውያን ሓንሳብ ሐደ ስነ ሓሳብ ምስ ኣስረጽካሎም ብኻልእ ስነሓሳብ ክትካእ ቀሊል ስለዘይከውን ናይ መራሕቶም መጋበርያ ይኾኑ። ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነዚ ብምምዝማዝ ካብ ሰውራ ጀሚሩ ኣቶኩሮኡ ኣብ ዓቃባዊ ኣጠማምታ ዘሎዎ ሓረስታይ እዩ ዝገበረ።
(Although it is not true that all conservatives are stupid people, it is true that most stupid people are conservative. John Stuart Mill)

#ምስ_ካልእ_ሕብረተሰብ_ምንባር_ዘይተላመዱ ( exposure )

ምስ ካልእ ሕብርተሰብ ብውህደት ክትነብር እንከሎኻ ብዙሕ ኣውንታዊ ነገር ትመሃር ( Integration )።
ኣብ ስደት ኣሎኻ ማለት ምስቲ ትነብሮ ሕብረተሰብ ተመሳሲልካ ማለት ኣየስምዕን። ስጋኡ እምበር ኣነባብራኡን መንፈሱን ካብ ዓዲ ዘይወጸ ውሑድ ኣይኮነን። ብሰሪ ቋንቋን ክእለት ምስ ሰባት ምቕራብን ዝበርተዖም ወይ ውን ባህልን ልምድን እቲ ሓዱሽ ሕብረተሰብ ዝጸሉኡዎ ሰባት ኣብዚ ናይ ባህሎምን ልምዶምን ምትእኽኻብ ዝቐለለ ይኾነሎም። እዞም ጉጅለ ብዘይካ ዝፈልጥዎ ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ እምነት የብሎምን።

#ሰብ_ሕነን_ናይ_ታሪኽ_ሕሙማትን

ብታሪኽ ኣውራጃኦም ፍጹም ልዕልና ዝስመዖም። ታሪኽ ኣውራጃኦም ፍሉይን ቀዳማይን ምዃኑ ዝኣምኑሉን ኣብዚ ንረኽቦም። ሕሉፍ ውጽዓኦምን ሕሉፍ ደማዊ ተሪኽን እንተኣሎዎም ድማ ኣብ ኣድላዪ ዝበሉዎ ንክትዕን ምሕንሓንን የውጽእዎ።
(ብታሪኽ ይፋኸሩ ሕሉፍ ኣይክድገምን እዩ እናበሉ ውን ይዛረቡ )

#ፍታሕ_እንተኾነ_ኢሎም_ዝኣምኑ

ምንዋሕን ለውጢ ዘይብሉን ካብ ዘረባ ዘይሓልፍ ለውጢ ልውጢ ዘሰልቸዎም ሰባት፡ እዚ ዝሓሸ መድሃኒት እንተኾነ ዝብል ርዲኢት ብምውሳድ እስኪ ይፈተን ዝዓይነቱ ደገፎም የስሙዑ። ዋልኳ ምኽኒታዊ ይምሰል ካብ ጸገም ክትሃድም ናብ ዝገደደ ጸገም ከተምርሕ ስለዝከኣል ደጋጊምካ ክሕሰበሉ ሰናይ ነገር እዩ።

****ብሰሪ ትሑት ደራጃ ትምህርቲ ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባ ዝቃወሙ፡ ብሰሪ ትሑት ፖለቲካዊ ንቕሓቶምን ብደቂዓዶም ጥራሕ ክምርሑ ዝደልዩን እውን ብብዝሒ ኣብዚ መስርዕ ይሕዙ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ ግምት ብምእታው ኣውራጃዊ ጥርናፈ ዋላ ንግዚኡ ከም ኣማራጺ ይወሰድ ናብ ዘይተጸበናዮ ጎንጺን ነውጽን ከምርሓና ስለዝኽእል ኣብ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ምኹስኳስ ብሉጻት መንእሰያትን ብሉጻት ፖለቲከኛታትን እንተነተኩር ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።
በዞም ኣሉታውያን ነጥብታት ተሞርኩሰ ኣውራጃዊ ውዳበ ኣይድግፍን።

ዝሰማማዕ like and share ኣብ ኩሉ ክባጻሕ። ዝቃወም poletically correct ብምዃን ርእይቶኡን የቐምጥ።

ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

Source: https://www.refugeeonthemove.org/current/2017/8/26/-

መቕድም

  • ምቕባል እቲ ምስ ኩሎም ደቂሰባት ዝፍጠር ክብረትን ማዕረን ዘይሕከኽን መሰልን ከም መሰረት ናጽነት ፍትሕን ሰላምን ዓለም ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡
  • ናይ ካልኦት ሰባት መሰላት ሸለል ምባልን ምንዓቕን፡ ከም ውጽኢቱ፡  ናብ ሕልና ኣልቦ ኣሬሜናዊ ተግባራት ዝወስድ ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ምስ ጊዜ ዝተረጋገጸ፡ ደቂ-ሰባት እቲ ዝለዓለ ዝብህግዎ እንተሎ መሰል ናይ ምዝራብን እምነትን ናጽነት ከም ልቦም ክገብርዎ/ክቋደስዎ፡ ካብ ፍርሒ ናጻ ክኾኑን ናጻ ድሌታት ክህልዎም እንከሎን ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉን፡
  • ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ፡  ዕልዋ ኣንጻር ምልክን ጭቆናን ከካይድ እንተዘይ መሪጹ ወይ ተደፋፊኡ፡ ሰብኣዊ መስላቱ ብግዝኣተ ሕጊ ክሕለወሉ ኣድላዩ ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡
  • ኣብ መንጎ ሃገራት/ሕብረተሰባት ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ምድንፋዕ ኣድላዪ ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡
  • ኣህዛብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ቲ ቅዋሞም ደጋጊሞም ዘረጋገጽዎ፡ ገስጋስ ሕብረተሰብ ንምድንፋዕን፡ ብዝሓሸ ደረጃ ናብራ ኣብ ዝሓሸ ናጽነት ክህልዉን እቲ ወሳኒ እምነቶም ኣብ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ክብረትን ኣገዳስነትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኡ’ውን ኣብ መሰል ማዕርነት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡
  • ኩለን ኣባል ሃገራት፡ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ምኽባርን ምዕቃብን ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታውያን ናጽነታትትን ንኽረጋገጽ ብገዛእ ርእሰን መብጽዓ ዝኣተዋ ብምዃነን ኣብ ግምት ብምእታው፡
  • ነዞም ኣብዚ ኣዋጅ ተዘርዚሮም ዘለዎ መሰላትን ናጽነታትን ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ናብ ግብሪ ክትርጎሙ/ክውዕሉ እንተኾይኖም ሓባራዊ ርድኢት ቀንዲን ኣገዳሲን ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡

ስለ ዝኾነ፡ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ከም ናይ ሓባር መዐቀኒ/መምዘኒ መሰላትን ናጽነታትን ንናይ ኩሎም ህዝብታትን ሃገራትን ክኸዉን ብምእዋጅ፣ ኣብ መጨረሻ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕብረተሰብን፡ ነዚ ኣዋጅዚ ብቐጻሊ ኣብ ኣእምሮኡ ክሕዞ፡ ብምምሃርን ምስትምሃርን ድማ ነዞም መሰላትን ናጽነታትን ንኽኽበሩ ክጽዕር፣ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣተን ንዝመሓደሩ ሰባትን ኣድማሳዉን ውጽኢታዊን ዝኾነ ምኽባርን ምዕቃብን ንኽህሉን ከውሕስ ኣጽዲቕዎ።

ዓንቀጽ 1

ኩሎም ሰባት ምስ ነጻን ማዕረን ዝኾነ ክብረቶምን መሰሎምን ዝተፈጥሩ እዮም። ዘመዛዝን ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደሉ’ውን ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ብመንፈስ ሕውነት ክቀራረቡ ይግባእ።

ዓንቀጽ 2

እዞም ኣብዚ ኣዋጅ ተዘርዚሮም ዘለዉ መሰላትን ናጽነታትን ንዝኾነ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላይ፡ ከም ብሄር፡ ሕብሪ፡ ጾታ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ወይ ካልእ ኣረኣእያ፡ መበቆል ዓዲን ሕብረተሰብን፡ ሃብቲ፡ ትውልዲን ካልእ ደረጃን ብዘየገድስ ብማዕረ ይምልከተኦምን ይብጽሖምን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ ወይ ዓለም-ለኻዊ ኩነታት እታ እትብጽሖ ሃገር ወይ ግዝኣት፡ ማለት ነጻ ድያ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት፡ ወይ ነብሳ ዘይተማሓድር ወይ’ውን ኣብ ትሕቲ ድሩት ዝኾነ ልኡላውነት ትሃሉ ብዘየገድስ ዝኾነ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላይ ክግበረሉ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 3

ዝኾነ ሰብ መሰል ምንባር፡ ናጽነትን ድሕነትን ኣለዎ።

ዓንቀጽ 4

ዝኾነ ይኹን ሰብ ከም ባርያ ወይ ጊላ ክትሓዝ ፈጺሙ ኣይግባእን።  ግሊያነትን ንግዲ ግሊያን/ባሮትን  ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክውገድ ይግባእ።

ዓንቀጽ 5

ዝኾነ ይኹን ሰብ ንስቅያት ወይ ጭካነ ፡ ኢሰብኣዊ ወይ ሕስረት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ወይ ኣቀጻጽዓ ክቃላዕ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 6

ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ወይ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ሰብ ክፍለጥ ይግባእ።

ዓንቀጽ 7

ኩሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ድማ ሕጊ ብማዕረ  ክከላኸለሎም ግብኦም እዩ። ኩሎም ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን ነዚ ኣዋጅ ዝጥሕስ ኣድልዎን ኣድልዎ ከለዓዕል ዝኽእል ኩነታትን ሓለዋ ናይ ምርካብ ማዕረ መሰል ኣለዎም።

ዓንቀጽ 8

ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ቅዋም ወይ ሕጊ ዝነብረላ ሃገር ዘፍቅዶ መሰረታዊ መሰላት ምግሃስ ምስ ዘጋጥሞ ብብቑዕ ዝኾነ ሃገራዊ ቤት ፍርዲ ግቡእ ካሕሳ ክረክብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 9

ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሕጊ ክእሰር፡ ክዳጎን ወይ  ካብ ሃገር ክስጎግ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 10

ዝኾነ ይኹን ሰብ መሰሉን ግቡኡን ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ንዝቐርበሉ ዝኾነ ይኹን ገበናዊ ክሲ ብነጻን ርትዓውን ዝኾነት ቤት ፍርዲ ጉዳዪ ብማዕረ ብግሉጽ ክስማዕ ምሉእ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 11

(1) ብዘቕጽዕ ገበን ዝተኸሰሰ ዝኾነ ይኹን ሰብ ምሉእ ብምሉእ ነብሱ ክከላኸለሉ ኣብ ዝክእል ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ምኳኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ከም ንጹህ ይቑጸር።

(2) ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝኾነ ይኹን ተግባር ምስ ዝፍጽም ወይ ምስ ዘይፍጽም እሞ ድማ እቲ ዝበሃል ዘሎ ተግባር ኣብ ዝተፈጸመሉ ወይ ዘይተፈጸመሉ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዘቕጽዕ ዘይሰፈረ ምስ ዝኸዉን ከም ገበነኛ ኣይውሰድን። ከምኡ’ውን ዝወሃብ መቕጻዕቲ እቲ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ነቲ ገበን ተወሲኑ ካብ ዝነበረ ዝኸብድ መቕጻዕቲ ክኸዉን ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 12

ኣብ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ውልቃዊ ህይወት፡ ስድራቤት፡ ገዛ ወይ ርክባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ጣልቃ ምእታዉን  ስምን ክብረትን ሰብ ምጽላምን ኣይግባእን። ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ከምዚ ዓይነት ጣልቃን ጸለመን ሕጊ ክኸላኸለሉ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 13

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ውሽጢ ዝነብረላ ሃገር ብናጽነት ክንቀሳቐስን ክቕመጥን መሰል ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ዝኾነት ሃገር፡ እንከላይ ካብ ሃገሩ፡ ክወጽእን ናብ ሃገሩ ክምለስን መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 14

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝወረዶ ጭቆናታት ኣምሊጡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቚባ ክሓትትን ክረክብን መሰል ኣለዎ።

(2). ምስ ፖለቲካ ዘይተሓሓዝ ገበን ወይ ኣንጻር ዕላማታትን መትከላትን ውዱብ ሕቡራት ተግባራት ምስ ዝፍጽም ግን እዚ መሰል እዚ ዘይክህልዎ ይኽእል።

ዓንቀጽ 15

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሕጊ መሰል ዜግነት ክሕረምን መሰል ምቕያር ዜግነት ክኽላእን ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 16

(1). ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ንስትዮን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዓሌት፡ ዜግነት ወይ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ገደብ ክምርዓዉን ስድራቤት ክምስርቱን መሰል ኣለዎም። ንመርዓ፡ ሓዳርን ፍትሕን፡ ደቀንስትዮኦም ደቂተባዕትዮኦም፡ ማዕረ ዝኾነ መሰል ኣለዎም።

(2). ሓዳር ብስምምዕን ምሉእ ድሌትን ተጻመድቲ ጥራይ ይፍጸም።

(3). ስድራቤት እታ ባህርያዊትን መሰረታዊትን ጉጅለ ናይ ሕብረተሰብ ኮይና ብሕብረተሰብን ሃገርን ውሕስነት ይወሃባ።

ዓንቀጽ 17

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ እንተ ብብሕቱ እንተ ምስ ማሕበር ብምዃን ንብረት ክውንን መሰል ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝውንኖ ንብረት ብዘይሕጊ ክሕደግ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 18

ዝኾነ ይኹን ሰብ ናጽነት ምሕሳብ፡ ሕልናን እምነትን ኣለዎ። እዚ መሰል እዚ፡ ንምቕያር ሃይማኖት ወይ እምነት ከምኡ’ውን እንተ ብውልቂ እንተ ብእኩብ፡ ኣብ ብሕቱ ይኹን ኣብ ኣደባባይ፡ ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ከስተምህር፡ ከተግብር፡ ከምልኽን ክዕቅብን ዘለዎ ናጽነት የጠቓልል።

ዓንቀጽ 19

ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓሳባትን ርእይቶን ናይ ምግላጽ ነጻነት ኣለዎ። እዚ መሰል እዚ፡ ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ፡ ርእይቶ ምዕቃብ ብዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ድማ ሓበሬታን ሓሳባትን ናይ ምእላሽን ምቕባልን ምሃብን ናጽነት የጠቓልል።

ዓንቀጽ 20

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ሰለማዊ ምትእኽኻብን ማሕበር ናይ ምቛምን ናጽነት ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ሰብ ናይ ዝኾነ ማሕበር ኣባል ክኸዉን ኣይግደድን።

ዓንቀጽ 21

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ብቐጥታ ይኹን ብነጻ ዝመረጾም ወከልቱ ኣቢሉ፡ ኣብ መንግስቲ ታራ ክጻወት መሰል ኣለዎ።

(2). ኩሉ ሰብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሃገሩ ብማዕረ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

(3). ድሌት ህዝቢ መሰረት ስልጣን መንግስቲ ክኸዉን ይግባእ። እዚ ድሌት እዚ ድማ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ፡ ብስሩዕ ግዜ ዝካየድ፡ ስቱር ወይ ናጻ ኣገባብ ኣደማምጻ ዝኽተል ብቅኑዕ ምርጫ ክግለጽ ይግባእ።

ዓንቀጽ 22

ዝኾነ ይኹን ሰብ ከም ኣባል ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ውሕስነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ ብደረጃ ሃገር ብዝግበር ጻዕርን ምስ ኣወዳድባን ዓቕሚን ሃገር ዝሳነ ናይ ኣህጉራዊ ትካላት ምትሕብባርን፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብረትን ነጻ ምዕባለን፡ ኣዝዩ ኣድላዩ/መሰረታዊ ዝኾነ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊን መሰላት ክረክብ ይግባእ።

ዓንቀጽ 23

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ክሰርሕ፡ ስራሕ ከማርጽ፡ ኣብ ፍትሓዊን ምቹእን ዝኾነ ሃዋሁው ክሰርሕን ካብ ሽቕለት ኣልቦነት ክናገፍን መሰል ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

(3). ዝኾነ ዝሰርሕ ሰብ ንነብሱን ስድራቤቱን ክብረት ብዘለዎ ንምእላይ ዘኽእሎ ፍትሓዉን ዝድገፍን መንገዲ ክኽፈል፡ እንተ ዘይኮይኑ ድማ ብመገዲ ማሕበራዊ ድሕነት ክሕገዝ መሰል ኣለዎ።

(4). ዝኾነ ይኹን ሰብ ረብሓታቱ ዝጣበቓ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ከቕዉምን ኣባል ክኸዉንን መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 24

ዝኾነ ይኹን ሰብ ዕረፍትን ምዝናይን ዘለዎ፡ ምስ ቅቡል ዝኾነ ሰዓታት ስራሕን ኣብ ስሩዕ ባዓላት ድማ ዝኽፈለሉን ስራሕ ክህልዎ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 25

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ንነብሱን ስድራቤቱን ዝበቕዕን ከም መግቢ፡ ልብሲ፡ መንበሪን ሕክምናዊ ክንክንን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘጠቓለለን ጥዑይን ሕጉስን ዘለዎ ደረጃ ናብራ ክህልዎ መሰል ኣለዎ። ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ስእነት ስራሕ፡ ሕማም፡ ስንክልና፡ ፍትሕ፡ እርጋን ወይ መነባብርኡ ንኽመርሕ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝዀነሉ ኩነታት ምስ ዘጋጥሞ ውሕስነት ክህልዎ መሰል ኣለዎ።

(2). ኣዴታትን ህጻናትን ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ኩሎም ህጻናት፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይ ሕጋዊ መርዓ ዝውለዱ፡ ሓደ ዓይነት ማሕበራዊ ድሕነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ዓንቀጽ 26

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ዕድል ትምህርቲ ክረክብ መሰል ኣለዎ። ትምህርቲ እንተዉሓደ ኣብ መባእታን መሰረታዊን ደረጃ ብነጻ ክወሃብ ኣለዎ። መባእታዊ ትምህርቲ ንኹሉ ሰብ ግድነት ክወሃብ ኣለዎ። ብሓፈሻ ተክኒካዉን ሞያውን ትምህርቲ ክህሉን ዕድላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ብመሰረት ብቕዓት ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ክወሃብን ኣለዎ።

(2). ትምህርቲ ንምሉእ ምዕባለ ሰብኣዊ መንነትን ንምሕያል ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ዝዓለመ ክኸዉን ኣለዎ። ብተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ኩሎም ህዝብታት፡ ዓሌታት ወይ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ምርድዳእ፡ ተጻዋርነትን ምሕዝነትን ዘማዕብል ክኸዉን ኣለዎ።

(3). ወለዲ ደቆም ዝመሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ መሪሕ ታራ ክጻወቱ መሰል ኣለዎም።

ዓንቀጽ 27

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ባህላዊ ህይወት ሕብረተሰብ ብነጻ ክሳተፍ፡ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ከስተማቕርን፡ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ እጃሙ ከበርክትን፡ ተጠቃሚ ክኸዉንን መሰል ኣለዎ።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ ሞራላዉን ንዋታዉን ረብሓታት ውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራቱን ስነ-ጽሑፋዊን ስነ-ጥበባዊን ፍርያቱን ክሕለወሉ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 28

ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብዚ ኣዋጅ ሰፊሮም ዘለዎ መሰላትን ናጽነታትን ብምሉኦም ኣብ ግብሪ ክትርጎምሉ ዘኽእል ማሕበራዊን ዓለምለኻዊን ስርዓት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 29

(1). ዝኾነ ይኹን ሰብ ብነጻን ምሉእ ዓቕሙን ክእለታቱን ብዘፍቀደሉ ኣብ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ክወስድ ግብኡ ይኸውን።

(2). ዝኾነ ይኹን ሰብ መሳላቱን ናጽነታቱን ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን፡ ኣብ ዴሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ፍትሓዊ ዝኾነ ጠለባት ስነ-ምግባር ንምምላእ፡ መሰላትን ናጽነታትን ካልኦት ሰባት ንምርግጋጽን ስርዓትን ድሕነትን ህዝቢ ንምውሓስን ተባሂሉ ብሕጊ ካብ ዝተወሰነሉ መሰላትን ናጽነታትን ክሕረም ይኽእል።

(3). እዞም መሰላትን ናጽነታትን እዚኦም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣንጻር ዕላማታትን መትከላትን ሕቡራት ሃገራት ክትግበሩ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 30

ዝኾነ ካብዞም ኣብዚ ኣዋጅ ተኻቲቶም ዘለዎ መሰላትን ናጽነታትን ብሃገር፡ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ ደረጃ ንምጥሓሶም ዝዓለመ ንጥፈታት ወይ ተግባራት ንኽጽመድ መሰል ከም ዘለዎ ብዘስምዕ ቃና ወይ ብዝእንፍት መገዲ ክቱርጎም ኣይግባእን።

My Opinion on Regionalism

In political philosophy, regionalism is not a state of where you belong; it is how far you think outside your own house. It becomes complex when an attitude of self-delineated mind exist and fail to think beyond and reject the existence of the whole.

It starts from minority complex and integrating onself to phenomenon that revolve around the periphery. One feels that he is much safer when remained stucked in his own cave while still the wind is blowing outside.

If this is the mind complex that generate such thinking, then, there it develops Romanizing the cave and live within it. Romanizing creates to appreciate the past and resists the on-going activities outside the cave. And anyone who touches the periphery of this Romanization is against it, be it right or wrong.

Having this initiation, a regionalist creates an image of either superiority or inferiority and fight for that. And is always like a strong bee colony in approaching and defending the state where he belongs.

And at the same time, regionalism can be imposed by external agents also. Those who impose such characters are themselves not free and like a virus, they invade the other territory and contaminate it by the same way. From this then, the state of “WHO YOU ARE” develops and the two indulge in the same and create chaos for nothing.

And Eritreans are not free, but we didn’t posses it before, we got contaminated by a virus injected to us; first by the divide and rule policy of great Britain and after from two sides, the Ethiopian rulers and the political developments within the revolutionary commands that existed in the 1970’s.

This can be clearly traced by referring “Nihnan Elamanan’ of EPLF, a self-centered rationalistic approach of dealing the political issues that complicated the whole course of our struggle and post independence.

I said, “Regionalism is Romanizing your own self and never think beyond.” It is state of the mind extent, not areal extent. Area has nothing to do with a mind obsessed on his own ego? Let’s not attach it with geographical area. It is a psychocological geography.

For me, regionalism; nationalism, Leninism, sexism, feminism, Maoism, secularism, Africanism…. all words having suffix “…ISM” are the same. I am saying words, words that express set of ideas or way of thinking and acting as such for they are the driving forces.

If you try to refer all this type of words, they are problem creatures. Because they create a boundary. It could have been good if they stop there and never reach the others. But the truth is the opposite. They hide themselves on such mind state and go beyond to contaminate the others. The innocent mind state.

I don’t want to go down and interpret the word raised as many ordinary thinking people do. This is for me putting in a slam.

As human being, I want to live without boundary. I don’t mean without a house, a village, a region, a nation, a continent, the planet. I was born in a place which I am always attached. But, this is not my limit. I need to go beyond my cave and look around and reach far beyond.

And I don’t reject who I am. Because I am the result of where I came from. But I will not organize others to appreciate the way I appreciate and neglect or oppose the others.

We need to come-out from superiority-Inferiority complex. We are human being and we are born to live with civility. To live with civility means to do things that can harmonize us with all. Living, non-living. And live in integrity. Not by localizing. We are supposed to live like birds, just like the white cloud.

But just to manage and administer the way we live, we need a civilized way of ruling the surrounding.

Therefore, forget, Aditekelezan, forget hamasien. Come-out from the romantized physcological geography. Live beyond. Just let’s think on how we can manage our life.

Countries were created just after 18thC. Before the system was different. And organizing people at national level was in its time a high level of thinking and managing people and resources in a more efficient way. And now at continetal level came.

Rememeber how Abraham Clinton faught against division of America in the 1770th. 200 years, he said UNIION is the only means. He declared “Unity” by all costs and he succeeded and as we can see now we have the power ful America.

And see now European Union. Europeans were almost 150 years remained behind to understand the true meaning of UNITY.

A lot of things need to be done to come out of “REGIONALIS” or in general “…ISM’s sickness.

I don’t mean that all true values of oneself should be forgotten. I got a chance to study FOOD IDENITY and through this I am learning how Europeans are trying to keep their culture. Please read some on “TERROIR” “Geographic Indication Products.”

 

(Origionally posted in Hanti-Alem discussion group on 09/12/2013 – I am not sure if this page is still active though.)