ሓደ መስከረም: መሰረት ቃልሲ ኤርትራውያን ንሓርነት

በቲ መጀመርታ ግዜ

ወላ’ኳ ኤርትራ ከም ሃገር ብወግዒ ኣብ 1890 ዓ.ም.ፈ ትቑም; ነቲ ድሕሪ ተኸታተልቲ መግዛእትታት ክትረኽቦ ዝግብኣ ዝነበረ ነጻነት ብሰንኪ ጎበጣዊ ሕልሚ ጎረቤት ኢትዮጵያ; ከምተን ብመግዛእታዊ ዶብ ዝቖማ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣብ ግዚኡ ክኸውን ኣይከኣለን። ኢትዮጵያ ናይ ትግብኣኒ ዝብል ዓማጺ ተግባር ዘበገሶ ዕንቅፋት መጀመርታ ኣብ 1952 ብፈደረሽን  ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቑረና ከለዋ ድሕሪኡ’ውን ኢትዮጵያ ብሕጊ ፈደረሽን ተቖሪና ክትከይድ ዓቕሊ ክትገብር ብዘይምኽኣላ ኣብ 1962 ብናይ በይንኣዊ ኣዋጅ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣገዲዳ።

ዓማጺ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታኡ ጥዑይ ከምዘይኮነ ዝተገንዘቡ ኤርትራውያን; ብ1958 ኣብ ሱዳን ብምዃን ብኣግኡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምሉእ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ከበጋግሱ ክኢሎም ኔሮም። እዚ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብዝነበሮ ውሁድን ምስጢራ’ውን ኣካይዳ ኣብ ሓጺር ግዜ ንብዙሓት ኤርትራውያን ክውድብን ኣምራት ሓርነት እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ብግቡእ ከስተምህርን ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ከማዕብል ክኢሉ እዩ።

ምስ ግዜን መቐጸልታ ናይ ዝተረኽበ ንቕሓት ተወሲኽዎ; ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብረታዊ ቃልሲ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ካልእ በይናዊ ምውድዳብ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ስደት ብዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ካብ 1960 ኣትሓዙ ኣብ ግብጺ (ካይሮ) ክወዳደብ ጀሚሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብ1 መስከረም 1961 ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ ጅግናን ስዉእን ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብምርኻብ ፈላሚ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ጎበጣ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ።

ጀመርቲ ናይ’ዚ ብረታዊ ቃልሲ ወላ’ኳ ካብ’ቶም ድሮ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝነጥፉ ዝነበሩ ፍሉይ መንገዲ ክኽተሉ እንተጀመሩ፡ ንኢትዮጵያ ቀሊል ብድሆ ኮይኑ ኣይቀረበን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ድሕሪ ናይ 10 ዓመትን 2 ወርሕን (ማለት፡ ካብ 15/09/1952 ክሳብ 15/11/1962) ዝነበረ ቃል ኪዳን ፈደረሽን ፈረሰ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ናይ መወዳእታ መልክዑ ክሕዝ ክኢሉ።

ምስ ግዜ፤ እቶም ፖለቲካዊ ቃልሲ ጀሚሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ብረታዊ ቃልሲ’ውን ከም ኣካል ቃልሶም ክገብርዎ ስለዝመደቡ ብ1965 ናብ መሬት ኤርትራ ኣተዉ።  እንተኾነ እቲ ድሮ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ዝነበረ ውድብ ብጽቡቕ መንፈስ ክቕበሎም ስለዘይከኣለ ኣንጻሮም ብምዕጣቕ ነቲ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ  ምዕባለ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይንዎ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ እምበ’ኣር ኤርትራን ኤርትራውያንን በቲ ሓደ ኣንጻር ናይ ደገ ጸላኢ ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ከለዉ በቲ ሓደ ድማ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም።

ቃልሲ ኣካል ናይቲ ጉዕዞ ናብ ሓርነት

ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ; ኣብ መጀመርታ 1970ታት ካልኣይቲ ውድብ ካብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ድሕሪ ምፍጣራ; ኣብ ዝቐጸለ 10 ዓመታት ከቢድ ደማዊ ኩናት ሕድሕድ ዝተራእየሉን ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኣሉታ ክሸልዎ ዝኸኣለን ተርእዮ እዩ። ኣብ 1981 ድማ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህግሓኤ) ወትሃደራዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ተሓኤ) ድሕሪ ምጉንጻፍ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሬት ኤርትራ ገዲፉ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ወላ’ኳ ኤርትራ ካብ ጎበጣ ኢትዮጵያ ብ1991 ነጻ ትውጻእ; እቲ ኣብ 1960ታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራውን ግና ዝኾነ ፍታሕ ከይተረኽቦ ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ክኢላ። እዚ ተርእዮ እዚ ድማ ነቶም ወትሃደራዊ ደኣምበር ፖለቲካዊ ስዕረት ዘየጋጠሞ ውድብ ተሓኤ ዘጓነየ ብምንባሩ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መሊሱ ጓህሪ ወሲኹ።

ብ1994 ህግሓኤ ብናይ ውሽጣዊ ውሳነ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝብል መንነቱ ዘይተፈልጠ ውድብ ከም ብሓድሽ ተወዲቡ ንኤርትራ ከም እንኮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮይኑ ድሕሪ ምቁጽጻር፣ ነቲ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ  ተላቢዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኤርትራውያን ወግዓዊነት ኣልበሶ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እቲ እንኮ ሓይሊ ብምዃን ንኻልኦት ብፍጹም ብምእጋድ እንሆ ክሳብ ሕጂ ንናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ መስርሕ ጅሆ ሒዙ ሓርነት ኤርትራውያን ክውን ከይከውን ጌርዎ ይርከብ። ሎሚ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ገባቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ህግደፍ ተቖሪና ትርከብ። ወላኳ እቲ ኣብ 1 መስከረም 1991 ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ደገ ሓይሊ ይጀምር፡ እቲ ኣብ 1960ታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጌና ኣይተዛዘመን።

ብተወሳኺ’ውን ካብ 1991 ዝጀመረ ሰብኣዊን ፖለቲካውን ዓመጽ ኤርትራውያን; ካብ 1993 ኣትሒዙ ኣንጻር ጅሆቫ; ካብ 1995 ድማ ብስም ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝብል ሸፈጥ ወግዓውነት ዝለበሰ ግህሰት መሰል ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ድሒሩ’ውን ብ ግንቦት 2001 ዝጀመረ ምእሳርን ምርሻንን ሰበ ስልጣን ኤርትራ; ምእጋድ ነጻ ፕረስ; ምእጋድ መሰል እምነት; ምእጋድ መሰል ምንቅስቓስ; ግዱድ ዕስክርናን ጉልበታዊ ስራሕን ወዘተ ዝኣመሰሉ፤ እንሆ ሎሚ ኤርትራ ናብ ፍጹም ሰብኣዊ መሰል ዘይብላ ስቅያት ወዲ ሰብ ብኽፉት ዝካየደላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

ሎሚ ኤርትራ ዓዲ ግፍዒ እያ ትበሃል። እቲ ኣብ 1960ታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሎሚ ናብ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰላት ዓሪጉ ይርከብ። ሎሚ ኤርትራዊ፥  ፖለቲካዊ መሰል; ዜግነታዊ መሰል; ቁጠባዊ መሰል; ማሕበራዊ መሰል; ባህላዊ መሰል ዘይብሉ ከም ባርያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከም ዘይፍጡር ወዲ ሰብ ትሕተ-ምንባር ዝኾነ  ሂወት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።

ሓደ መስከረም

ሓደ መስከረም፣ ናይ’ዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃልሲ እተዘኻኽረና ኣገዳሲት ታሪኻዊ ዕለት እያ። ሓደ መስከረም ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ኩሉ ኣይነት ቃልሲ እያ። ሓደ መስከረም ብዘይ ምዝካር ዝሓለፈ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ክንዝክር ኣይንኽእልን። ብዘይ ሓደ መስከረም እንገብሮ ዝኾነ ዓይነት ካልሲ መዓዝን ምጥፋ እዩ።

  • ሓደ መስከረም፥  ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ናይ ደገ ሓይሊ ተዘኻክረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ የሕዋት ኤርትራውያን ተዘኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጸትሉ መንገድን መሪር ቃልስን ተዘኻኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ኤርትራ ከም ኤርትራ ክትፍለጥ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ተዘኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ቃልሲ ንሓርነት ይጅምር ደኣምበር ከምዘይውዳእ ተዘኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ኩኖ ብረታዊ ቃልሲ ሰብኣዊ ቃልሲ ከምዘሎ  ተዘኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ ንቃልሲ ቃልሲ ከምዘድልዮ ተዘኻኽረና።
  • ሓደ መስከረም፥ እንገብሮ ቃልሲ ዓይነቱ ብዘየገድስ ምጅማር ከምዘሎ ተዘኻኽረና።

ስለዚ ሓደ መስከረም ንዓና ንኤርትራውያን መሰረት ኩሉ ክብርታትና  እያ። ብዘይ ሓደ መስከረም ጉዕዞ ንሓርነት ዝበሃል ከምዘየለ እተዘኻኽረና  ፍልይትን ክብርትን ዕለት እያ። ወትሩ ድማ ክትዝከር እያ።

ሓደ መስከረም ወትሩ ተዘከሪ።  

 

 

 

 

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.