ጥንታውያን ጣዖታት ግብጺ ከም ተራ ቃላት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ

ነቲ ንፈልጦስ ማዕረ ክንደይ ኮን ንፈልጦ ንኸውን?

1. በዓል

በዓል ልደት

በዓል ፋሲካ

በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ

በዓልቲ ቤተይ

በዓል ቤትካ

በዓል ናጽነት. . . ወዘተ

2. ኣቱም

ኣቱም ሰብኣይ

ኣቱም ሰብ ቀደም

ኣቱም የሕዋት/ኣሓት. . . ወዘተ.

3. ኣሜን

ጎይታ ይባረኽ – ኣሜን

ስምካ ይቀደስ – ኣሜን. . . ወዘተ.

4. መዓት

መዓት ወሪዱና

መዓት መጺኡኒ

መዓት እዮም ኔሮም. . . ወዘተ.

ነዘን ኣርባዕተ ኣብ ላዕሊ ተጠቒምናለን ዘለዋ ከም በዓል፣ ኣቱም፣ ኣሜንን መዓትን ዝብላ ቃላት ኣብ መዓልታዊ ዝርርብ ኮነ ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብብዝሒ ካብ ንጥቅመለንን ዝውቱራትን  ከምኡ ድማ ኣዝየን ኣገደስት እየን። ኪኖ ተራ ቃላት ሓሊፈን’ውን ንፍሉይ ኣጋጣሚታትን ትሕትናዊ ኣገላልጻን የገልግላ።

ከም ሓቂ እዘን ቃላት እንክድመጻ ዝኾነ ሰማዒ ብፍሉይ ኣተኩሮ እዩ ኣቓልቦ ዝገብረለን። ንኣብነት: በዓል-ልደት ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ፍሉይ መዓልቲ እዩ። በዓል/ቲ ቤተይ ክንብል ከለና ድማ ንኽልተ ብሓባር ዝነብሩ መጻምዲ ዘገልግል ፍሉይ መግለጺ እዩ።

ንምዃኑ ከም’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ቅላት ክንጥቀም ከለና  በቲ ሓቅስ እንታይ ኮን ኢና ንብል ዘለና? ስም ሓያላት ጥንታውያን ኣማልኽቲ ግብጺ ንጽውዕ ከም ዘለናስ ማዕረ ክንደይ ፈሊጥናዮ ንህሉ? እዞም ሎሚ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ንኣምን ዝብሉ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ቀደም ዘመን ክንደይ ኣማልኽቲ ኔሮሞም ኮን ይኾኑ? ዝብሉ ብቐሊሉ መልሲ ዘይርከበሎም ብዙሓት ሕቶታት ተደርዲሮም ይርከቡ።

ቋንቋ ትግርኛ  ኣስማት ጣኦታት ከም ተራ ቃላት ወሲዱ ክጥቀመሎም ክትርኢ; እዋእ እዚ ህዝቢ በቲ ቀደም ዘመን ኣምላኺ ጣዖታት እዩ ኔሩ ማለት ድዩ ክትብል ትግደድ። ብሓቂ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ሓቅነት ከልብስዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣሰራት ኣለዉ። ንኣብነት፥ መንግስቲ ዝብል ቃል ከም ዝውቱር ንሓደ ዓለማዊ ስልጣን ሒዙ ንህዝቢ ዘመሓድር ኣካል የስምዕ። በቲ ሓደ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ዝብል ፍሉይ መጸውዒ በቲ ልዑል ናይ ልዑላን ሰማያዊ መንግስቲ ዝፍለጥ መንግስቲ የመልክት። እቲ ጸገም ዝፍጠር ነቲ ዓለማዊ መንግስቲ ናይ’ዛ ምድሪ ከኣሊ ስለዝቑጸር ኣዝዩ ክቡርን ዘይድፈርን ከም’ኡ ድማ ከም’ቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ዝኾነ፣ ናይ’ዛ ምድራዊ መንግስቲ ነባሪ ይቑጸር።  ስለ’ዝኾነ ድማ ዝኾነ በዓል ስልጣን እምብረ መጠን ክብረ ልዕልና ይውሃብ። እዚ ድማ ነቶም ዓመጽቲ ገዛእቲ ዘይተኣደነ ተድላ እዩ።

ስለ’ዚ እቶም፥ ንጥቀመሎም ቃላት ብልክዕ ምስ ዘይንፈልጦም ካብ ዝህብዎ ኣገልግሎት ዘውርድዎ ዕንወት ክበዝሕ ይኽእል። ስለምንታይሲ ከይተረድኣና እቲ መሰረታዊ ትርጉሞም ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንጥቀመሎም ክንህሉ ስለንኽእል። ስለ’ዚ መሰረታት ቋንቋ ምጽናዕ መወዳድርቲ የብሉን።

በዓል፣ ኣቱም፣ ኣሜንን መዓትን፥ እቶም ሓያላት ኣማልኽቲ ግብጻውያን

ቃላት መሰረት ናይ ሓደ ቋንቋ እዮም። መቦቆላዊ ምንጪ ናይ’ዞም መሰረት ናይ ቋንቋ ዝኾኑ ቃላት ክትፈልጥ ድማ ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ከም’ዘድሊ ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ ይሕብሩ። ሓሓንሳብ ጊና ብወዝቢ ጎፍ ዝብሉኻ ተረኽቦታት ኣይስኣኑን።

ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መሰረታዊ መቦቆል ቋንቋ ትግርኛ ኣድህቦ ክገብር ዝደረኸኒ ጸሓፍን ፍላስፋን ኣማኑኤል ሳህለ ናብ ሓዳስ ኤርትራ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ አያ ዝነበረት። ወላ’ኳ ዕለቱ ብልክዕ ኣይዘክሮ ከባቢ 2005 ከም’ዝነበረ ግና ቅሩብ ይስወጠኒ። ኣብ’ታ ጥንታውያን ኣማልኽት፣ መናፍስቲ፣ ደቂ ሕድርትናን ልምድታትን ህዝቢ አምባታት መጠራን ከስከሰን ብመልክዕ ፋንታዝያዊ ቀሪባ ብጉሩም ቃላት ዝወቀበት ንኡስ ጽሕፍቲ ብዛዕባ “በዓል” እተስተማቕር ጽሕፍቲ ነበረት።

እዛ ጽሕፍቲ ኣዝያ ስለዝመሰጠትኒ ብዛዕባ ጥንታውያ ኣማልኽቲ ዘለኒ ኣፍልጦ ከዕቢ ዝሕግዙኒ ጽሑፋት ሕልፍ እናበልኩ የንብብ እየ። ንኣብነት ኣብ 2007 ዘንበብክዋ “Gods of Ancient Egypt”; ኣብ ግብጺ ብዙሓት መላእኽቲ ከምዝነበሩ ክመሃር ክኢለ።

ካብ’ዞም ብዙሓት ኣማልኽቲ፥ ኣርባዕተ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ከም ተራ ቃላት ዓቢይ ቦታ ሒዞም ምስ ረኸብክዎም ተገረምኩ።

ንምዃኑ እዞም ኣማልኽቲ መን እዮም?

1. በዓል – Ba’al

Baal_egyptian_godኣምላኽ ኩነታት ኣየርን ፍርያምነትን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ባዓል፣ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ኣማልኽቲ ግብጻውያን እዩ ዝነበረ። ኣብ ገለ ክፋል ግዜ ውን ቋንቋ ሄብርው ስም ናይ ኣምላኽ – የሀወህ ጌሩ ይጥቀመሉ ኔይሩ።

በዓል ኣብ ልዕሊ ንፋሳት፣ በርቂ፣ ነጎዳ፣ ዝናብን ፍርያምነትን ፍሉይ ሓይሊ ከምዝነበሮ የእመነሉ።

Ba’al Hammon – እዚ ሎሚ ግዜ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ብፍሉይ ወንኻ ዝሰለበ; በዓል ሕማመይ; ኢልና እንጠቀመሉ ኣገላልጻ መሰረቱ ምስ  ኣምላኽ ጣዖት በዓል ዝተኣሳሰር ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ኣምላኽ ፍርያምነት” ማለት እዩ።

ሓደ ሰብ, ናይ ሕማመይ እንተኢሉ ናይ ፍርያምነተይ እዩ ዘስምዕ።

 

2. ኣቱም – Atum

Atumኣቱም ማለት እቲ ኩሉ ዝፈጥር ኣምላኽ ማለት እዩ። ኣቱም ንባዕሉ ካብ ወላ ሓደ  ከምዘይተፈጥረ ይእመነሉ። ድሕሪ ፍጥረቱ ድማ ነቶም ናይ መጀመርታ ሹን (Shu) ተፍኑትን(Tefnut) ዝበሃሉ ኣማልኽቲ ካብ ምራቑ ፈጠረ።

ኣቱም፥ ኣምላኽ ናይ ኩሎም ኣማልኽቲ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ኣምላኽ ናይ ፈርዖናት ግብጺ ነበረ። “ወዲ ኣቱም” ዝብል ድማ ኣብ ኩሎም ሰም ነገስታት ይውሰኽ ነበረ።

መበቆል ናይ ኣቱም ድማ ትም ዝብል ቃል ግብጻውያን ኮይኑ ናይ መወዳእታ ማለት እዩ።

 

3. ኣሜን – Amen, Amun, Amkon

Amenኣሜን ርእሲ ጣዖት ቴባን  (Theban diety) ከምዝነበረ ይዝንቶ። ተበን ሓንቲ ካብ ገጠር ዓዲ ናብ ኣዝያ ሓያልን ዓባይን ከተማ ንግስነት ዝተቐየረት ነበረት። ኣሜን ድማ ንግሶም ነበረ። ኣሜን ድሕሪ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ምስቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መልኣኾም, Ra, ስሙ ብምጥባቕ Amun-Ra ብዝብል ኣምላኽ ናይ ኩሎም መላእኽቲ ኮነ።

ትርጉሙ ድማ: “እቲ ስዉር; ምስጢራዊ ምስሊ” ማለት እዩ። እቲ ሓቀኛ መንነቱ ድማ ፈጺሙ ዘይግለጽ ተባሂሉ ይግለጽ ነበረ።

 

4. መዓት – Ma’at

Captureመዓት ስብኣዊ ምስሊ ኣምላኽ ናይ ሓቂ፣ ሚዛን፣ ስርዓት፣ ስኒት፣ ሕጊ፣ ሞራልን ፍትሕን የመልክት። ካብ ኣምላኽ ክብሃል ድማ ዝያዳ መግለጺ ባህርያት ክበሃል ይከኣል።

መዓት ንጠፈጥሮን ሕብረሰብን የመልክት ነበረ።

ብግብጻውያን መዓት ከም መግለጺ ስነ-ምግባርን ሞራላውን ዜጋታት ይጥቀምሉ ነበሩ። እዚ ድማ ሓደ ግብጻዊ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ክኽተሎ ዝነበሮ መንገዲ የስተምህር። ንስድራ ቤት፣ ሕብረተ-ሰብ፣ ሃገር፣ ኣከባብን ኣማልኽትን ብእኽብሪ ከገልግሉ ድማ ይኹስኩስ።

መደምደምታ

ካብ’ዚ ንኡስ ጽሑፍ ክንመሃሮ ዝከኣል እንተሃልዩ ቋንቋ ትግርኛን ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛን ምስ ጥንታዊ ቋንቋ ግብጺ ወይ ፈርዖናት ብዙሕ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ። ከም ታሪኽ’ውን እዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቕመጥሉ ዘለው ኣከባቢ ምድረ ፑንቲ ተባሂሉ ክምዝፍለጥን ፈርዖናት ግብጺ ይበጽሕዎ ከምዝነበሩ ይዝንቶ።

 

Advertisements

5 Comments

  1. ኣስተብህሎኻ ዕምቈት ጎዲልዎ ኣሎ ሓወይ መዓረይ። ኣቕሪብካዮ ዘሎኻ ጽሑፍ ክትብሎ ንዝደለኻ ጭብጥታት ዝመስሉ ነጥብታት ደሪዕካ ኣእማኒ ብዝመስል መገዲ ዘጋጊ ግጉይ እዩ።

    1. Ba’al (ባዓል) ብመጀመርታ ናይ Akadians and Babilonians (ከነኣናውያን) ኣምላኽ እዩ ድሒሩ እዩ ብግብጻውያን ተራዒሙ። እቲ ቃል ኣብ ዕብራይስጢ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ከሎ ድማ ጐይታ (ዋና ወይ ወናኒ) እዩ ዘስምዕ። ስለዚ ኣብ ቋንቋና ብትርጉም ናይቲ ቃል ደኣ እምበር ብኸምቲ ስም ጣኦት ምዃኑ ኣይኮነን ተራዒሙ ዘሎ። ሓደ ቃል ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክርከብን ኣብ ክልቲኡ ቋንቋታት ድማ በበይኑ ትርጉም ክሕዝን ይኽእል እዩ። ንኣብነት bet ኣብ ቋንቋ ዕብራይስጢ (hebrew) ካልእ ትርጉም ስለ ዝተዋህቦ፥ እዛ ቤት ትብል ናይ ትግርኛ ቃል ካብታ ናይ እብራይስጢ ዝተወስደት ክትከውን ኣለዋ ክንብል እኹል መረዳእታ የብልናን። ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ በዓል ዝበሃል ጣኦት ካብ ምብዓል እቶም ኣምላኽ ዝኣዘዞም በዓላት ፈልዩ ስለ ዘቕርቦ፥ እዛ ቃል እዚኣ ንክልቲኡ ሓሳባት ወኪላ እያ ቀሪባ ዘላ።

    ኣብ መወዳእታ ብዙሕ እኳ ክበሃል ዝከኣል እንተ ኾነ፥ ንሓደ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ብዘይእኹል መጽናዕትን ሰንኮፍ ሓበሬታን ዝተጻሕፈ ዝተዛብዐ ጽሑፍ ካብዚ ንላዕሊ ምባል ዘይግብኦ ግምት ምሃብ ስለ ዝኾነ እዚ እኹል ይመስለኒ።

    ኣብ ቀጻሊ ንዘይፈለጥካዮ ንምፍላጥ ኣሉታዊ ዝንባለ ኣወጊድካ፥ ኣብ እወታዊ መትከል ብምጽናዕ ንኽትፈልጥ እናጸዓርካ፥ እኹል መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ሃናጺ ጽሑፍ ክተቕርብ ድማ እላቦ።

  2. ክትጽሕፍ ክንደይ ባህ ዝብልኳ እንተ ኾነ፡ ዘይእኹል ዘይጭቡጥ ዘይኣእማኒ ጽሑፍ፡ ካብቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝልጠፍ ሰንኮፍ ጽሑፋት ዝፈሊ የብሉን። ዝመሳስሰል ብምርካብካ ካብኦም እዩ ተወሲዱ ክትብል ዘድፈረካሲ፡ ካብ ካብዚ ጽሑፍካ ተበጊሰ ካብ ተመሳሳልነት ዝሓልፍ የብሉን እኳ ዝብል እንተ ኮንኩ ካብ ናትና ተወሲዱ ተኮነኸ። ዓቢ ኣክብሮትን ኣድናቆትን ንተበግሶኻ። ግን ጽሑፍካ ኣእማንን ጭባጥን ዝጎደሎ እዩ።

  3. ሰላም ዝኸበርካ ሓውና ነዛ ብዛዕባ ዝምድናታት ቋንቋ ትግርኛን ፈርዖናት ግብጽን ዝጸሓፍካ።
    መጀመርታ መጀመርታ እዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሜድያ ዝጸሓፍ ጽሑፍ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ኣይጸሓፍን እዩ።
    ደሓር ከኣ ኣኣዞም ይመሳሰሉ ኢልካ ዘምጻእካዮም ቃላት ብዘይካ ናይ ንባብ ምምስሳል ፡ ፈጺሙ ናይ ትርጉም ምምስሳል የብሎምን። እሞ ናይ ቃላት ምምስሳል ረኺበ ኢልክስ ኣፍካ መሊእካ ትዛረብ? ዓገብ!
    ከም ኣብነት ክንጠቅስሲ (Amen) ናይ ጣኦት ስም ኢልካዮ ኣሜን ግን ብ ናይ ዓለም ምሉእ ቋንቋ « ኣሜን « እያ ትበሃል። ስለዚ ናይ ዓለም ምሉእ ቋንቋ ምስ ናይ ግብጺ ፈርዖናት ከነመሳስሎም ኢና ማለት ድዩ? እቲ መልሲ ናባኻ ይገድፎ።
    ካብ ቋንቋ እንግሊዝ እንተ ወሲድና (good ) ዝበል ቃል ብትግርኛ « ጉድ » ኢልና ከነንብቦ ንኽእል ትርጉሞም ግን ናይ ክልቲኦም ፈጺሙ ኣይራኸብን እዩ።
    ካልእ ኣብነት ንውሰድ « (Mot) » ብቋንቋ ሽወደን መግቢ ማለት እዩ ብቋንቋና ከኣ እዛ ንፈልጣ « ሞት » ንባበን ሓደ ትርጉመን ሰማይን መሬትን። ስለዚ ቋንቋታት ብሽም ኣደማምጽኦም ተመሳሲሉ ኢልካ ክትዝንጥሎም ኣይግባእን እዩ።
    # መደምደምዳ፡
    ሓደ ቋንቋ ተወራሪሱ ኢልካ ክዝረብ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ክመሳሰል ኣለዎ። ንኣብነት « ስቢዳለ » ካብ « Hospital » ዝብል ቋንቋ እንግሊዝ ዝተወርሰ እዩ። እዚ ምስ ኣየናይ ምትእትታው ዝመጸ ምዃኑ ተንቲንካ መረዳእታ ብምምጻእ ክግለጽ ይከኣል። ከምኡ ውን « ኣልፋ » « ኦሜጋ » ዝብሉ ቃላት ትግርኛ ብቐጥታ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወስዱ እዮም። ትርጉሞም ከኣ ብኽልቲኡ ቋንቋ ሓደ ዓይነት ትርጉም ኣለዎ። ንምርግጋጽ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣቡነ ሰላማ ኣቲኻ ተመልከት። ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ክትርጉምዎ ከለዉ ዝተወስደ እዩ። ኣብ youtub ኣቲኻ ውን መጀመርታን መወዳእታን ቛንቛ ግሪኽ እንታይ ከም ዝበሃሉ ክትምልከት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ክትጽሕፍ ክለኻስ ብጭቡጥ ደኣ እምበር ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል፡ ኣደማምጽኦም ስለ ዝተመሳሰለ ጥራይ ደፊርካ ክጸሓፍ ኣሸጋሪ እዩ።
    ወደሓንካ !!!

  4. ተስፋብርሃን አብቲ ሐቂ ኢዩ ኢልካ ከም መወከሲ አቕሪብካዮ ዘለኻ፣ ብዙሕ ክእረም ዘለዎ ዘንባዕ ሚዛንን፣ አብቲ ታሪኹን ልምዱን ባህሉን ዘይፈልጥ ናባዪ ዝሰአነ መንእሰይ ግጉይን መርዛም ሚዛንን አሉታዊ ጽልዋን ዘሕድር ኢዩ። ወዮ ድአ አብ ክንዲ’ቲ ዝነበረን ዝተዋስኤን ብዕድመ ጸጋ’ውን ዝጸገበ ክንዲ ዝምዕድ፣ እቲ ፊደል ብምጽሐፍ ጥራሕ ጽሐይ ዘርከበ ዝመስሎ፣ ንከባቢኡ ዘሎ ወድዕታት (Subjective objects) ብምርአይ ጥራሕ ፍርዲ ከሕልፍ ዝውዕል መሃሪን መዓዲን ክኸውን ስለዝፍትን፣ ከምጽኦ ዝኽእል ሐደጋን ሃሰያታትን ብዙሕ ኢዩ። ስለዚ ነገር ካብ ሱሩ መታን ክትፈልጥ ከምቲ አቦታትና ዝመሰልዎ “ከይትወድቕ ባላ ተሞርኮስ፣ ንኽትፈልጥ ሰያብ ተወከስ” ዝተባህለ መሬት ዘይወድቕ ምስላ፣ብሃሳሰ ለባም ዝተዘርበ አይኮነን። ብዙሕ ክትፈልጥ ክትምሃር ንዝተፈላለዩ ዓበይትን ምኩራትን ተወከስ ሕተት አክብ ተመራመር፣ ብድሕሪኡ ማእከላይ ሚዛንካ አንብር። ንስኻ ግን አብ ብዙሕ እተቕርቦ፣ ብግርህና ድዩ ንጽህና፣ ብፍርሂ ድዩ ብስግአት፣ ብጽልኢ ድዩ ብቒምታ፣ ብስሚዒት ድዩ ብዘየፍልጦ፣ እንድዒ ርዱእ ንዘይኮነ ምኽንያት ብዙሕ ኢኻ ትጋገ። ስለዚ ካብ ዓበይትን ናእሽቱን፣ ካብ ምሁራትን ምኩራትን፣ ናይ ቀረባን ርሑቕን ታሪኻት ዝፈልጡ እንዳተወከስካ አክብ። መሰል አለኒ እንዳበልካ ንደቂ ሃገርካን ባህሎምን ቋንቋኦምን እንዳዘንጠልካ ዝሕንጠጥን ዝሽርጠጥን ወረቐት ንዓኻ ከድክመካ እንተዘይኮይኑ ጽውጽዋይ ከንቱ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። አይትጽሐፍ አይትግለጽ ማለተይ አይኮነን ግዳ ከአ ዓቕሚኻን ደረትካን ፈሊጥካ ምጽሐፍ ጽቡቕ ኢዩ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s