ስደትን መንፈሳዊ ጉዕዞን

ብስም ኣብ ብስም ወልድ ብስም መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ይኣምን ኣሜን።

“ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኤኹም፥ ስደተኛ ከመይ ከም ዝስምዖ ድማ ትፈልጡ ኤኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይተጫንቕዎ።” ኦሪተ ዘጽኣት 23፡9

  1. ስደት
    • ትርጉም ስደት

ትርጉም ስደት ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ምንቅስቓስ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ማለት እዩ። ቦታ ክበሃል ከሎ፡ ዓዲ፣ ከተማ፣ ሃገር፣ ኣህጉር ከምኡ’ውን ካልእ ክፍለ ዓለም የመልክት። ስደት ካብ መቦቆላዊ ቦታ ብምንቅስቓስ  ኣብ ሓድሽ ሂወት ምእታው ማለት እዩ።  ስደት ግዝያዊ ወይ ድማ ቀዋሚ ክኸውን ይኽእል።  ጠንቂ ስደት ዝተፈላለየ ምኽንያታት እዮም። ንኣብነት፥ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ መንፈሳዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ክሊማዊ ወዘተ ኢልና ክንርእዮ ንኽእል። ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ድማ ነቲ ሓደ ወዲሰብ ዝምነዮ ናይ ምንባር መሰልን ሓርነትን ዘይቃዶ ነገራት ምስ ዝህልው ስደት ይኽሰት።

  • ህዝበ ክርስትያንን ስደትን

ስደት ካብ ጥንቲ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። ንኣብነት ብዛዕባ ስደት ኣቦና ኣብርሃም ናብ ግብጺ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 12 ብሰፊሑ ተጠቒሱ ንረክብ። ከምዚ ድማ ይብል፥ “ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኮነ። ጥሜት ስለዝበርትዐ ድማ፥ ኣብርሃም ኣብኣ ክቕመጥ ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ኸደ።”  (ኦሪት ዘፍጥረት 12፡10 )

ቅድስቲ እኖና ማርያምን ዮሴፍን’ውን  ምስ እየሱስ ህጻን ናብ ግብጺ ከምዝተሰዱ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። በቲ እየሱስ ዝተወልደሉ ዘመን ኣብ ቤተ-ልሔም ምድረ ይሁዳ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ሄሮዶስ ንእየሱስ ህጻን ክቐትሎ ይሓስብ ነበረ። እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ ከምዚ በሎ፥ “ሄሮዶስ ነዚ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንስእ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም። ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።  ዮሴፍ ድማ ተንሲኡ ነቲ ሕጻንን እኖኡን ሒዙ ናብ ግብጺ ኸደ።“  (ማቲዎስ 2፡ 13 – 14)

ካብ’ዘን ክልተ ፍጻመታት እንመሃሮ እንተሃልዩ ጠንቂ ስደት ኣቦና ኣብርሃምን ስድራቤት እየሱስ ህጻንን ዝተፈላለ ምዃኑ ግን ከኣ ናይ ሂወት ምድሓን ከምዝነበረ ንክንመሃር እዩ። ናይ ኣቦና ኣብርሃም መንቀሊኡ ቁጠባዊ ሽግር ክኸውን ከሎ ናይ ስድራ ቤት እየሱስ ህጻን ግና ናይ ሂወት ሕቶ ወይ ስግኣት ከምዝነበረ ንግንዘብ።

  • ስደት ኤርትራውያን

ስደት ኤርትራውያን ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን። እንሆ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን (ልዕሊ 50 ዓመት) ኣቑጺሩ ይርከብ። በቲ ኤርትራ ኣብ ትሐቲ ግዝኣት ኢትዮጲያ ዝነበረትሉ ግዜ ህዝብና ኣደዳ ራዕድን ሽበራን ምስ ኮነ ንሂወቱ ከድሕን ሃገሩ ገዲፉ ዝተሰደ ውሑድ ኣይኮነን። ዝበዝሑ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምስዳድ ድማ ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነት ናብ ዓዶም ክምለሱ ልዑል ህንጥዩነት ነበረ። ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዱ ዝተመልሰ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ።

ኮይኑ ግን እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተመስረተ መንግስቲ ፖለቲካዊ ኣካይዳኡ መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብ ከማልእ ስለዘይከኣለ፤ ብፍላይ ንመንእሰያት ሓብሓብን ኣተባባዕን ስለዘይኮነ እኳ ደኣ በንጻሩ ስቅያት ዘናውሕን ተስፋ ዘቑርጽን እናኾነ ስለዝመጸ፤ ዳግማይ ስደት ክኽሰት ግዜ ኣይወሰደን። ከም ውጽኢቱ ድማ እንሆ ሎሚ ኤርትራዊ ኣብ ፈቐድኡ ኩርናዕ ናይዛ ዓለም ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ቤተ ክርስትያናት ኤርትራ መንእሰያት ደቀን ናፊቐን እንሆ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” Où est ton frère ?  እናበላ ይግዕራ። ዘፍጥረት 4፡9፥ “እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ ኣሎ? ይብል። ኩለን ኣድባራት ድማ ኣብ ኤርትራ ንቡር ሂወት ክኸውን ይምህለላ። ወለዲ’ውን ቤቶም ጸሚዩ ግዳያት ቁዛመን እህህታን ኮይኖም ይነብሩ ኣለው።

እቶም ዝተሰዱ ድማ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም፤ መንፈሳዊ ጓሳ ስኢኖም እንሆ ይነብሩ። ካብዞም ኣሽሓት መንእሰያት አዝዮም ውሑዳን ግን ከኣ ዕድለኛታት ግና ንኹሉ ፈተናታት ሂወት እናተቓለሱ ኣብ ዝኸድዎ ዓዲ ቤት ኣምላኽ እናተመላለሱ መንፈሳዊ  ኩስከሳ ይረኽቡ ኣለው። እንተ ተነሳሕካ ክቕበለካ እየ፣ ከምበሓዲሽውን ኣገልጋልየይ ክትከውን ኢኻ፣ናተይ ነቢይ ክገብረካ እየ፣ እቶም ሕዝቢ ናባኻ ተመሊሶም…” (ኤር.1519) ኪመጽኡ እዮም።

  1. ኤርትራውያን ካቶሊካውያን፡ ካበይ ናበይ
    • ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኤርትራ

ስርዓተ ኣምልኾ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ ካብ ናይ ላቲናዊ ኣምልኾ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፡ ናይ ምስራቓዊ ስርዓት ይኽተል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን  ኤርትራ ብኣርባዕተ ኤፓርቅናዊ (Eparchy) ምምሕዳር ትካየድ። ብጠቕላላ ከባቢ 150,000 ኣመንቲ ድማ ይርከቡ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ወላ’ኳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቀጥታውን ርኡይ ዝኾነን ዓመጻ ይወርዳ እዩ ክንብል እንተዘይከኣልና፣ ብሰንኪ ስደት መንእሰያት ዝወርዳ ዘሎ ሃስያ ግና ብዙሕ እዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ይርከቡ። ስለዝኾነ ድማ ጓሳ ኣብ ዘይረኽብሉ ዓዲ፡ ብፍላይ ድማ በቲ ዝለመድዎ ስርዓት ኣምልኾ ግእዝ ኣገልግሎት ቅዳሰ ኣብ ዘይርከበሉ ኣከባቢ፤ እናተቐመጡ ኣብ ትዝታን ምስትንታንን ይነብሩ።

ካብ’ዚ ብዘይፍለ’ውን እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዘለው ስድራ-ቤታት ዕድመ እናደፍኡን፡ ጸዋዕታ ኣምላኽ ረኺቦም ክህነት ዝለብሱ ዘለዊ ካህናት እናወሓዱን፣ ምስ’ቲ ምስፍሕፋሕ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ጽልዋ ምስፍሕፋሕ ካልኦት ሃይማኖታትን ተደማሚሩ ንቤተ ክርስትያን ብኣሉታ እዩ ዝጸልዋ ዘሎ። ምስ ግዜ ድማ እዛ እተፍቅረናን ሓብሓቢትናን ቤት ኣምላኽ ናበይ ገጸ እያ እትኸይድ ዘላ ኢልና ናይ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊ ዕቱብ ኣስተብህሎ ክኸውን ይግባእ።

  • ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ሃገረ ፈረንሳ

ፈረንሳይ ብመሰረቱ ካቶሊካዊት ሃገር እያ። ኣብ መርሓ ሃገር’ውን ብኸምኡ ትፍለጥ። ኮይኑ ግን በቲ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝተላዕለ ሰውራ ከምኡ’ውን ድሕሪኡ ዝቐጸለ ሓያል ቃልሲ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ንመንፈሳዊ ጉዕዞ ብኣሉታ ጸልይዎ። ካብ 1905 ኣትሒዙ ድማ ፈረንሳ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ብምፍላይ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ህዝቢ ፈረንሳይ ኣስፋሓፍሐ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ ክብርታት ፈረንሳይ ዝብልዎ ኣርባዕተ ነጥብታት  (liberté, égalité, fraternité, Laïcité)፥ Laïcité, ናይ ሕልና ናጽነት ዝብል ኣምር ነቲ ሰዓቢ ካቶሊክ ካብ ቤተ ክርስትያን ከምዝርሕቕ ጌርዎ። ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዝነበሮ ድማ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን።

ሎሚ ከባቢ 12 ሚሊዮን ካቶሊካውያን ኣመንቲ ክህልዉ ከለዉ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ድማ ከባቢ 70% ዝተጠምቀ እዩ። ካብዚኦም 5% ጥራሕ ናብ ቤተ ክርስትያን ዮም ተመላለስቲ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 2.1 ሚሊዮን ሞስሊም፥ 500,000 ከንሻ, 150,000 ቡድሂስቲ, 125,000 ኣይሁድ ይርከቡ።

ብሓፈሻ ክርኤ እንከሎ ከባቢ 40% ንነብሶም ከም ሃይማኖት ኣልቦ(Athée)  ይገልጽዋ።

ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ከምዚ ንረክብ፤

ይታይ ንነብያትካ ቐተልዎም፥ መሰውዒታትካ ውን ኣፍረሱ፥ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፥ ክቐትሉኒ ድማ ይደልዩ ኣለው” መልእኽቲ ጳውሎስ ወንጌላዊ ጳውሎስ 11 ፡ 3

ባህሊ ፈረንሳ ኣብ ካቶሊካዊ እምነት ዝተመርኮሰ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ፈረንሳይ ይኽተሎ። ነገር ግን እቲ እምነት ኣብ መዓልታዊ ሂወት ዳርጋ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ካቶሊካዊ መንገድን ሂወትን ብብዙሕ ፈተነታትን ተጋድሎን ዝተኸበ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ሰረት ድልዱል ስለዝኾነ ነቲ ጽምኣት ኣምላኽ ዘለዎስ እቲ ባይታን ሂወትን ኣዝዩ ዓብይ እዩ።  መዝሙር ንጉስ ዳዊት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ ብምባል ንቤት ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ገሊጹ ኣሎ (መዝ. 122 : 1 )።

  • መነፈሳዊ ዝምድና ሃገራት ኤርትራን ፈረንሳን

ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ብዙሓት ግን ከኣ ኣሰር ዘይገደፉ፣ ገለ ከኣ ውሑዳት ግን ከኣ ነባሪ ኣሰር ዝገደፉ ኣዝዮም ውሑዳት ኣጋጣሚታት ኣለው። ኤርትራ ካብዚ ዳሕረዋይ ኣብነት ዝኸሰበት ሃገር እያ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ደናግል ደቂ ማሕበር ፍቕሪ ካብ ፈረንሳይ ተበጊሰን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነብራሉ ዝነበረ እዋን (ቅድሚ 140 ዓመት ኣቢሉ)፡ ኣብ ከተማ ከረን ሃዋርያዊ ተልኽእሎ ኣብ ዝፍጽማሉ ዘነበራ ግዜ ኣብዚ ሎሚ ማርያም ደዓሪት ተደኲናትሉ ዘሎ ቦታ ጸሎት የዘውትራ ነበራ። ምስ ግዜ ምስሊ ኣደና ማርያም ካብ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ቅዱስ ቦታ, 140 rue du Bac, La médaille miraculeuse, la chapelle de la rue du Bac (Paris),  ብ13 ሓምለ 1881 ዓ.ም.ፈ ብኣቡነ ቱቬ ብዓቢ ዓጀባን ዑደትን ዝተባረኸት ኣብ እዛ ሎሚ ዘላታ ተቐመጠት። እንሆ ድማ ዓመት መጸ ብዘይምቁራጽ ህዝበ ክርስትያን ይነግድዋ።

ካብ’ዚ እንመሃሮ እንተሃልዩ በቲ ሐደ መንፈሳዊ ዝምድና ኤርትራን ፈረንሳይን ኮይኑ ክሳብ ሕጂ’ውን ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ብቐረባ ውን እዛ ደኺመ ከይበለት ኣጆኹም እትብለና፡ ፋሕ ኢልና ከይንጠፍእ ድማ ኣበይ ኣለኹም ደቀይ እትብለና ዘላ ሲስተር ንግስቲ ኣባል ማሕበር ፍቕሪ ከምዝኾነት ኣብቲ ቅዱስ ቦታ እኖና ማርያም La médaille miraculeuse ሓዳሪት ዘላ ህያው ኣብነት እዩ።

  1. ምምስራትን ምሕብሓብን ካቶሊካዊት ስድራ ቤት

እቲ እግዚኣብሔር ዝጸንበሮ ሰብ ኣይፍለዮ (ማቴ. 19:6)

ምምስራት ስድራ-ቤት ማለት ምምስራትን ምህናጽን ቤተ ክርስትያን ማለት እዩ። ቤት ናይ ሓንቲ ስድራ-ቤት ከምቲ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዝኾነ፤ ንሳ እታ ቤትውን ቅድስቲ እያ። ኣብታ ቤት ዝነብሩ ድማ ብሰናይ ኪነብሩስ መንፈሳዊ ጉዕዞ ኪኹስኩሱ ይግባእ። እዚ ድማ ካብታ ክልተ ተጻመድቲ ብሓንሳብ ኪነብሩ ዝወሰኑላ ዕለት ጀሚሮም፤ ተኻፈልቲ ሚስጢረ ተኽሊል ስለዝኾኑ፡ ፍቕሪን ሓልዮትን፤ ምትሕግጋዝን ምክብባብርን፤ ናይ ውልቂ ኮነ ናይ ሓባር ሽግራት ምልዛብን ምፍታሕን፤ ከምቲ እየሱስ ዝፈትዎ ድማ ንኣምላኽ እናወደስካን እናኣመስገንካን ምንባር ኪዝውተር ከሎ፣ እታ ቤት ትቕደስን ትባረኽን። ካብ’ኣ ዝፈርዩ ዉሉዳን ድማ ንእግዚኣብሔር ባህ የብልዎ።

ስድራቤት መሰረት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ውን እዩ። ጥዑይ ስድራ ቤት ጥዑይ ሕብረተሰብ ይሃንጽ። ጥዑይ ሕብረተ ሰብ ድማ ፍትሒ ዘለዎ ኣነባብራ ይሰርዕ። ስለዚ እንበኣር እዩ ቤተ ክርስትያን ኣብ ስድራቤት ኣተኲራ መሰረታት እትሃንጽ።  ሰብ ኣብ ስድራቤት  እዩ ብቀዳምነት ፍቕርን ተኣማምነትን ኣምላኽ ተገንዚቡ፡ ንሱውን ብፍቕርን ብተኣማምነትን ኪነብር ከምዘለዎ ዚመሃር።

ስድራቤት ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥሩ ሰባት ከም ዝቖመት መጠን፤ ብመንፈስ ዜድልይ ነገራት እውን ኣሎ።  መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና ስለዚ፡ ሓላፍነት ዚስምዖም ወለዲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማኡን ብዛዕባ ስርዓታቱን ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኪፍጽምዎ ይጽዕሩ እዮም።

ኣቱም ኣቦታትውን፥ ብናይ ጎይታ ስነ ስርዓትን ምኽርን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ነደክኹም ኣይተኾርይዎም። ኤፌሶን 6:4።

ምምስራት ስድራቤት ብቃል ኪዳን ይጅምር። ቃልኪዳን ሓደ ካብተን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን እዩ። ምስጢረ ተኽሊል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ምእንቲ ክጸድቕ ኢሉ ዝሰርዖምእዮ፤ ነቶም ብስርዓት ዝተጠመቁን ሜሮን ዝተቀብኡን ክርስትያን ሰባት ምስ ክርስቶስ ተወሃሂዶም ክነብሩ ስለኾነ እዩ። መሳርሒ ወይ መጋበሪ ክኾኖም ዝወሃቦም ምስጢር እዩ። ምስጢሩ ከኣ ንሰብ ቃል ኪዳን ብሓንሳብ ጸኒዖም ንኽነብሩ ጸጋ ዘውህቦም ምስጢር እዩ፣ ብተወሳኺ፥ ነፍሲ ወከፎም ብባህርያዊ ፍጥረቶም እግዚኣብሔር ኣብ ልባቶም ብዘሕደረሎም ህያባት፥ እቲ ሓደ ምእንቲ እቲ ሓደ፤ ከምኡ’ውን እቲ ሓደ ምእንቲ እቲ ሓደ ከምዝኾኑ ብውሽጦም ብዝስምዖም ዝንባሌ ዝቀውም ክኸውን እንከሎ እግዚኣብሔር ከኣ ነዚ ብሕጊ ከም ዝቐውም ጌይሩ ዝባርኾ እዩ።

ሰብኣይ ወይ ድማ ሰበይቲ በይኖም ክነብሩ ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣምላኽ ብመልክዑ ሰብኣይን ሰበይቲ ዝፈጠረ። (ዘፍ 1፡ 26-28)።

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብኣይን ሰበይቲ ፈጠረ። ብመክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም።(ዘፍ 1፡ 27)

ምስጢረ ተኽሊል  ምሃብ ሓላፍነት ቤተ ክርስትያን እዩ። ከመይሲ ቃል ኪዳን ብሰብ ዘይኮነስ ብኣምላኽ እዩ ተሰሪዑ። ወላ’እኳ መጀመርታ ድሌትን ፍታውን ናብ ቃል ኪዳን ዚወስደካ መንገዲ እንተኾነ፤ ካብታ ምስጢረ ተኽሊል እተቐበልካላ ደቒቕ መለኮታዊ ሓይሊ ኣምላኽ ይስርዓሉሞ ነባርን ዘይፍታሕን ይኸውን። ስለዚ ድማ ቃል ኪዳን ሓንትን ናይ ዘልኣለምን እያ። ብመንገዲ ቃል ኪዳን ድማ ፍጹም ሓድነት ሰብኣይን ሰበይትን ይምስረት። ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝግበር ቃል ኪዳን ድማ ቅቡል ኣይኮነን።

ስቪላዊ ቃል ኪዳን ኣብ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጌጋ እዩ። ቃል ኪዳን፡ ብሓንሳእ ንምንባር ዝውሰድ ምርጫ ጥራሕ ኣይኮነን። ቃል ኪዳን ርክብ ምፍጣር ማለት እዩ።  እዚ ዓይነት ርክብ ድማ ካብቲ ካልእ ብዙሕ ዝዓይነቱ ርክብት ዝተፈልየ እዩ። ከመይ ማሕበራዊ መንክዕ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዝዓቢ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት እቲ ግቡእ ቦትኡ ከመዝሕዝ ንምግባር ዚሕግዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ እዩ።

__________________________________________

ብዛዕባ ጥፉእ ወዲ

እየሱስ

ሉቃስ 15፡11 – 24

ከምዙይ ድማ በሎም፦ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ኣቦይ! ካብ’ዚ ገንዘብካ እቲ ዝብጽሐኒ ግደይ ሃበኒ› በሎ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ። ድኅሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ። ዘለዎ ዂሉ ምስ ወድአ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተጸገመ። ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ተቖጸረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም! ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ። ተሢአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝጸረኒ ኽብሎ እየ› በለ። ተሢኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ ገና ኣብ ርኁቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህረሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ። እቲ ወዱ ድማ ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን በሎ። ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ዝበለጸ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምጺእኹም ክደንዎ! ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ! ስቡሕ ዝራብዕ ኣምጺእኹም ሕረዱሞ ንብላዕ! ንተሓጐስ! እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩሞ› በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።

___________________________________

መደምደምታ

ክቡራን የሕዋት

ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ እናተመራሕና ኣብ  ግዜ ፈተና ይኹን ኣብ እዋን ስደት ‘’ብፍቕሪ፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግሥቲ፥ ሕያውነት፥ ለውሃት እምነት፥ ትሕትና፥ ይኣኽለኒ ምባልን ዘለዎ ናብራ ሕይወት እንነብር። ነዚ ፍረ እዚ ብገዛእ ኃይልና ከነምጽኦ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በቲ ኣብ ልብና ብእምነት ዝሓደር መንፈስ ቅዱስ ልዕሊ ኣእምሮ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ውሽጥና ብዘገርም ምሥጢር ይፈስስ ማለት ኢዩ። ገላ 5፡22።

ሂወትና ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ይኹን።

ጸጋኡ ይብዝሓልና።

ኣሜን።

 

ኣንጀ, ፍራንስ

 

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.