This poem was originally written by me at awate.com in response to a peace loving artist and poet Kokhob Selam, a good hearted awatista. Here, I wanted to keep it for my record and that is why it is re-appearing.

ኮኾብ ሰላም ወ ኮኾብ ሰላም
ስምካ አንክሰምዕ፡ ዝረክብ ሰላም
ግጥምኻ እንከንብብ ዝረክብ ሰላም።

ኮኾብ ሰላም ወ ኮኾብ ሰላም
ሞት’ኮ ዝነበረ እንደኣሉ
ሞት ደኣ ዳግማይ ሂወት እንደኣሉ
ዝነበረ እንደኣሉ ዝሞተ።

እንተ’ታ ቅዋም ዝብልዋስ
እታ ናይ 1952 ዶ መሲላቶም
እታ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝቐተላ ኣብ ቤቶም።

ሃጸይ ኢሳይያስ ደኣ መኣስ ቅዋም ኔራቶም
ቅዋም እታ ቃላታ ኳ ዘይመካይድቶም
ቅዋም ምስ ሰምዑ እንደኣሉ ዚ ኩሉ ሕማሞም።

ሕማምም ንቡር’ኮ ኣይኮነ
ደም ሰብ እንደኣሉ ቁርሲ ምሳሕ ዝኾነ
ቀትሪ’ኮ ኣይኣኽሎን
አረ ቫምፓየር’ዩ ለይቲ ድም ቀለቡ ዝኾነ።

ኣንታ ኮኾብ ሰላም፡
ሕንከት’ኮ ባህልና’ዩ ዝነበረ
ናይዞም ጸገንቲ በየንዩ ዝቦቖለ፧

ኮኾበይ፡
ኮኾብ ሰላም
ኮኾብካስከ ይምርሓዮም ናብቲ ምድረ ሰላም
ሕያዎት ጓሶት ክመጹ ናብቲ ምድረ ሰላም
ሰላም አንደኣሉ ብዓል ኻልድ ዝኣኽሎም ዝነበረ።

እወ ኮኾብ ሰላም
ኮኾብካ ስደደሎም
ሕያው ጓሶት ሰላም።

Tesfabirhan WR

21.01.2015

France