This poem was sent to me from my friend who lives in Sudan. He did not want to disclose his name though he is willing to share with the public. This poem is for the Bologna festival goers and condemning them by touching their evil acts. Read and say what you can.

መዛሙራን ገሃነም

መጋርያ ግዜ ኣጒዶም
ብጓህሪ ዕድመ ዝስሕኑ
እከዮም ዘይፈተወ
ንሕሰም ዝኹንኑ
እናኽእከቡ ልቢሰብ ዝዘርዉ
ገሃነም ክትከውን ዓዲ
ብልቦም ዝሕልዉ

ጣዕመ ቓና መዝሙር ሱባኤኦም
ሓዘን ዘሪኡ ኣብ ልቢ ሰማዒኦም

በሃግቲ ድብነት
ነብያት ሽግር
መልሓሱ ትቆረጽ
ምሳኹም ዝመክር!

ሓለንጋይ ሓወይ
ጠጠዉ ልክዕ ህድሞ
ዓዱ ዝገደፈ ገለ’ንተ ጠዓሞ
ኣብ ባሕሪ ጓና ሕልሙ ዝተሰብረ
ዓዱ ተኸሊኡ ግዳም ዝተቐብረ
ኣብ ርእሱ ክትስዕስዑ ዓይኑ ከይነቖረ!
እዋይ ሕሰም
ክንዲ ጸሎት ፍትሓት ሓመድ ዓዱ
ዳስ ተኺልኩም ኣብ ርእሱ ከተኹድዱ!

ኪዱ ግዳይ ርሓቑ እይትረብሽዎ
ኣብ ጉድጓድ ዝረኸቦ ሰላም ኣይትዝረግዎ!

ውልዶ ቀላሚጦስ ሓፍተይ
ኩሕሊ ምድሪ
ማንካ ዘየልዓለት ካብዛ ዕምሪ
ስጋኣ ንዓሳ ባሕሪ
ዓጽማ ንመረት ኢታሊ
ምስ ኮነ ደጊም አንታይ ትደልይዋ
እዋእ ነዛ ተረፍ ዓሳ
ንቡር ዘይረኸበት ሬሳ
ሳዕስዒት’ዶ በሃግኩም ኣብ ርእሳ!

በሃግቲ ድብነት ነብያት ሽግር
ኣእጋሩ ይቆረጻ ምሳኹም ዝድብል!

ዕሸል ወደይ ዘይቆጸረ መዓንጣ
ዓሳ ዝተደሮ ዘይወጸ ከምሬሳ
እንታይ ደለኹም ናብ ገምገሙ ትመጹ
ኣዲኡ ክዝክር ከብዱ ክትህውጹ!

በሉ ኣነስ ገዲፈኩም ከምቀደመይ
ግና
ናብኡ ኣይትኺዱ ናብቲ ስፍራኦም
ዓዶም ምስ ገደፉ ዝረኸብዎ ሰላሞም
ኣይትበትንዎ
ከምቲ ምንባር ሙማት ከይተጽልእዎም!

(ንደቂ ዓደይ 1-7-2014 ካርቱም)

Thank you